እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መላእ ቻይና ብከላ ኣየር ከምዝጎደለ ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ሓቢሩ
ኣብ መላእ ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ሕማም ኮሮናቫይረስ መጠን ብከላ ኣየር ከምዝጎደለ ካብ ሳተላይት ዝተወስደ ቅዳሕ ስእሊ የርኢ ክብል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ኣስዒብዎ ዘሎ ቑጠባዊ ዝሕታለ ከምዝጋጠመ ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ወሲኹ ኣረዲኡ።
እቲ ናይ ናሳ ካርታ ከምዘርእዮ፡ እዚ እዋን ምስ ናይ 2019 ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን ናይትሮጅን ዲኦክሳይድ ኣዝዩ ከምዝጎደለ የመልክት።
ኣብ ቻይና፡ ንሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዙሓት ፋብሪካታት ንጥፈታተን ኣጉዲለን ከምዘለዋ ይግለጽ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ቻይና ጥራይ ብውሑዱ ኣስታት 80 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለው።
እቲ ሕማም ብኣዝዩ ቅልጡፍ ናህሪ የስፋሕፍሕ ምህላዉን ንምቁጽጻሩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ከም ዘሎን ውድብ ጥዕና ይሕብር።
ክሳብ ሕጂ ኣብ 57 ሃገራት ዓለም ልዕሊ 85 ሽሕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቦም። ካብኣቶም ኣስታት 3ሽሕ ሰባት ሞይቶም። ዝበዝሑ ከኣ ኣብቲ እቲ ሕማም ዝተኸስተሉ ቻይና ምዃኑ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።
ተመራመርቲ ናሳ ከምዝሕብርዎ፡ ካብ ተሽከርከርቲ ዝወጽእ ትኪ ናይትሮጅን ዲኦክሳይድ (nitrogen dioxide) ንመጀመርታ ኣብ ከተማ ውሃን ክጎድል ከምዝጀመረን፤ ድሕሪኡ ድማ ኣብ መላእ ቻይና ከምዝተዘርገሐን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ቻይና ካብን ናብን ምንቅስቓስ ብምኽልካሉን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርስታትን ንግዚኡ ተዓጽየን ክጸንሓን ከምኡ'ውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት'ታ ሃገር፡ ናብ ርሑቕ ከባቢታት ህዝቢ ዘመላልሳ ዝነበራ ኣውቶቡሳትን ንኣሽቱ ተሽከርከርትን ደው ስለዝበላን እቲ ብከላ ኣየር ከምዝጎደሉ መደበር ምርምር ጠፈር ኣመሪካ ሓቢሩ።
ከምዚ ዓይነት ተርእዮ፡ ኣብ እዋን ቁጠባዊ ዝሕታለ 2008 ከምዝተራእየ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።