እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ ንኤርትራ ኣብ 2019 ክብጽሑ ምስ ዝግብኦም ቦታታት ሰምይዋ
መጽሄት 'ናሽናል ጂኦግራፊክ ትራቭለር'፡ ኣብ 2019 ክብጽሑ ይግበኦም ዝበሎም 19 ቦታታት ዘርዚሩ'ሎ።
ካብቶም ኣብ መጻኢ ዓመት በጻሕቲ ክርእይዎም ይግባእ ተባሂሎም ዝተሓረዩ ቦታታት፡ ኤርትራ ኣብ መበል 12 ተጠቒሳ።
ኣብዚ እዋን፡ በጻሕቲ ዓዲ ንምንታይ ንኤርትራ ክበጽሕዋ ከም ዝግባእ እቲ መጽሄት ክገልጽ ከሎ፤ ምስ ጎረባብታ ኢትዮጵያን ጅቡትን ሓድሽ ስምምዕነት ሰላም ምግባራ ከም ምኽንያት ኣቐሚጥዎ።
ኤርትራ ብፍላይ ጥበብ ህንጻ ንዘድንቑ በጻሕቲ ተፈታዊት ከም ዝኾነት እዩ ዝግለጽ።
ናሽናል ጆኦግራፊክ እውን፡ ኣስመራ መደብር ዘመናዊ ጥበብ ህንጻ እያ ክብል ይገልጻ። ኤርትራ፡ ካብ ዋና ከተማኣ ወጻኢ እውን ብዙሕ ዝድህሰስን ዝብጻሕን ጸጋታት ከምዘለዋ ይገልጽ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ በረራ ምጅማሩ ድማ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ንክልቲኤን ከተማታት ብቐሊሉ ምብጻሕ ስለዘኽእል ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣልዒልዎ።
እቲ መጽሄት ዓዲ እንግሊዝ፡ "እንጀራ ምብላዕ ከይትርስዑ" ክብል ድማ ኣዘኻኺሩ።
ኤዲተር 'ናሽናል ጂኦግራፊክ ትራቭለር' ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፓት ሪደል፤ "ነዚ ዝርዝር ምስ ጸሓፍትና፡ ኤዲተራትናን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ክኢላታትን ብምውካስ ኢና ነዳልዎ" ክብል ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
"ብቐንዱ ድማ ነተን ሓድሽ በረራታት፡ ትሕተ ቅርጺን ሓድሽ ምዕባለታትን ዝተራእየለን፡ ንኣንበብትና ክስሕባ ዝኽእላ ሓደስቲ ቦታታት ንመርጽ" ኢሉ ፓት።
ኣንታርክቲካ፣ ካምቦድያ፣ ኦስሎ፣ ሆንግ ኮንግ፣ ዚምባብዌ፣ ኢንዶኒዥያን ኡጋንዳን ገለ ካብቶም ክብጽሑ ይግበኦም ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ቦታታት እዮም።
ቱሪዝም ኤርትራ
እዛ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜትር ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር፡ ገማግም ባሕራ ካብ ብከላ ናጻ ስለ ዝኾኑ ንበጻሕቲ ሰሓብቲ ምዃኖም'ዩ ዝንገር።
ደሴታት ዳህላክ፡ ደሴት ዳሴ ካብ ወደባዊት ባጽዕ ብዙሕ ርሑቕ ከይከድካ ዝርከባ ደሴታት ኮይነን፡ ንበጻሕቲ መቐበሊ ዝኸውን መዕረፊ ተሃኒጽወን ዘለዋ እየን።
ከም ብዓል ሓራት፣ ሃርሚል፣ ድፍኒን በካዕን ካልኦት ከኣ ካብተን ተሃራፊ ሑጻዊ ገማግም ዘለወን ደሴታት ኤርትራ እየን።
ኤርትራ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝኣወጀቶ ሕዛእቲ (National Park)፡ ቅድሚ ሕጂ ጠፊኦም ዝነበሩ እንስሳ ዘገዳም ክቀላቐሉን፡ እቲ ከባቢ ብኣግራብ ክሽፈንን ኣኽኢሉ ኣሎ።
እቲ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ብመንገዲ እዚ ሕዛእቲ ዝወርድ ጽርግያ ከኣ ንየማነ ጸጋም እቲ ጽርግያ ንዘሎ ልሙዕ ከባብን ሓሓሊፎም ዝራኣዩ እንስሳ ዘገዳምን ከርኢ ብዘኽእል ኣገባብ ስለዝተሰርሐ ንቱሪዝም ኤርትራ ባይታ ዘንጽፍ እዩ።
እቲ ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ተረኺቡ ዘሎ ርኽበታትን፡ ኣብኡ ክምስረት ዝሕሰብ ዘሎ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ስነጥንታዊ (ኣርኪኦሎጂካል) ፓርክ ድማ ነቲ መስሕብ ዝያዳ ዝድርዕ'ዩ።
ኤርትራ ብጀካ እዚ ኣብ ከም ሓወልቲ መጠራ፣ በለውከሎው፣ ቆሓይቶን ሳፊራን ዝኣመሰሉ ጥንታዉያን ሓወልትታትን ገዳማትን፡ ምስዚ ሕጂ ዝሰፍን ዘሎ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንብዙሓት በጻሕቲ መስሕብ ክትከውን ከምተኽእል ትጽቢት ይግበር።
ብዘይካ'ዚ እታ ህብብቲ ኣፍሪቃዊት ከተማ ኣስመራ ንባዕላ መስሓብ'ያ። ኣብ 2017 ኣብ መዝገብ ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ምእታዋ ዝያዳ መስሕባዊ ኣገዳስነት ፈጢሩላ'ሎ።