ቼንግዱ፡ ኣሜሪካ ኣብ ቻይና ንዝነበረ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈታ ገዲፋ ወጺኣ

ሰራሕተኛታት ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ኣብ ቻይና ከተማ ቼንግዱ ካብ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤት-ፅሕፈቶም ለቒቖም ወፅዮም፤ እዞም ዲፕሎማሰኛታት ካብ ቻይና ክወፅኡ ዝተቐመጠሎም ገደብ ግዜ 72 ሰዓታት ስለዘብቀዐ'ዮም፡ ካብታ ሃገር ወፅዮም ዘለዉ።

ሰራሕተኛታት ናይቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ሎሚ ሰኑይ ክወጹ ዝተቐመጠሎም ገደብ ግዜ ቅድሚ ምሕላፉ፡ ካብቲ ህንፃ ክለቁ ዝተርኣዩ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ጽሑፍን ምልክትን ከምኡ ድማ ባንዴራ ኣሜሪካን ተኣልዩ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና፡ ኣሜሪካውያን ልኡኻት ዝወፅእሉ ገደብ ግዜ ብምዝዛሙ፡ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ነቲ ህንፃ ከምዝተቖፃፀርዎ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ከተማ ቼንግዱ ዝነበረ ቆንስል ኣሜሪካ ምዕፃዉ ስዒቡ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ደገ ተኣኪቦም፡ ባንዴራ ቻይና ብምሓዝ ብሞባይሎም ስእሊ (ሰልፊ) ክሰኣሉ ተራእዮም።

ቤይጂንግ፡ ነዚ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሂውስተን ንዝነበረ ናይ ቻይና ቆንለላዊ ቤትጽሕፈት 'ቻይና ንስለያ ትጥቀመሉ ማእከል እዩ' ብምባል ስለዝዓፀወት እዩ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ድማ፡ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እናተደረኸ፡ ይዓርግ ኣሎ።

  • ፕረዝድንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምኽንያት ንግድዊ ርክባትን ለበዳ ኮሮናቫይረስን፡ ብተደጋጋሚ ምስ ቤይጂንግ ተጋጭዩ እዩ።
  • ቻይና ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ሆንኮንግ ሓድሽ ሕጊ ምውፅኣ ስዒቡ'ውን፡ ዋሽንግተን ነዚ ስጉምቲ ኮኒናቶ እያ።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ሲንጋፖራዊ ንቻይና ይስልል ከምዝነበረ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣመሪካ ኣሚኑ።
  • ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣርባዕተ ቻይናውያን፡ ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ንምርካብ ብምትላልን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ብዛዕባ ዝነበሮም ግደ ብምሕሳዎምን ተኸሲሶም እዮም።

ኣብ ቻይና እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሃገራዊ ተሌቬዥን ቻይና ሲሲቲቪ፡ ሰራሕተኛታት ቆንስል ኣሜሪካ ለቒቖም እንትወፅኡን፡ ኣርማ እቲ ቆንስል ካብቲ ህንፃ እንትእለይን ዘርእይ ምስሊ ኣቃሊሑ።

ብዓሰርተታት ዝቐፀሩ ፖሊስ ቻይና ድማ፡ ናብቲ ከባቢ ብምውፋር ኣብ ከባቢ እቲ ቆንስል ንዝተኣከቡ ሰባት ንክለግሱ የተሓሳስቡ ነይሮም።

ኣሜሪካ ኣብ 1985 ኣብ ቼንግዱ ዘቖሞቶ ቆንስል ቤት-ፅሕፈታ ዋላ'ኳ እንተተዓፀወ፡ ሕዚ'ውን ግና ኣብ ቻይና ካልኦት ኣርባዕተ ቆንስላታት ኣለውዋ፤ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ቻይና'ውን ኣብ ቤይጂንግ እዩ ዝርከብ።

ቻይና'ውን ኣብ ሂውስተን ዝነበረ ቆንስል ቤት-ፅሕፈታ ዋላ'ኳ እንተተዓፀወ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣርባዕተ ቆንስላዊ ቤት-ፅሕፈታት ኣለዋ፤ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ ዋሽንግተን ይርከብ።