ቻይና ኣብ ሃገራ ዘሎ ቆንስል ኣሜሪካ ክዕጾ ኣዚዛ

ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ቼንግዱ ዝርከብ ቆንስል ኣሜሪካ ክዕጾ ኣዚዛ።

ቻይና፡ ነቲ ስጉምቲ ከም ግብረ መልሲ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ሁስተን ዝርከብ ቆንስል ቻይና ክዕጾ ምውሳና ገይራ ከምእትወስዶ ትገለጽ።

ዋና ጽሓፊ ማይክ ፖምፕዮ እቲ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጊምቲ “ቻይና ኣእምሮኣዊ ንብረት ትሰርቅ ኣላ" ብምባል ከምዝተወሰነ ሓቢሩ ነይሩ።

ቻይናን ኣሜሪካን፡ ኣብ ዝተፈለለየ ዛዕባታት ዝተፈለላየን ኣንጻራዉን መርገጺታት ብምውሳድ ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሕርፍፍ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንቻይና ምስ ጉዳይ ንግዲን ኮሮናቫይረስን ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ቻይና ክጋጮ ጸኒሑ እዩ።

ቻይና እንታይ’ያ ኢላ?

ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና “እቲ ቻይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቲ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ዘይምኹኑይን ዘይሕጋውን ስጉምቲ ከም ግብረ መልሲ ኣገዳስን ሕጋዊ መሰልን” እዩ ኢልዎ።

“እዚ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ቻይና ዘሎ ዘይቅዱው ኩነታት ቻይና ፈጺማ ኣይትደልዮን እያ፡ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ኩሉ ሓላፍነት ክትሽከሞ እያ” ኢሉ።

እቲ ካብ 1985 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ቼንግዱ ዝርከብ ቤት ጽሕፍት ቆንስል ኣሜሪካ ልዕሊ 200 ቀወምቲ ስራሕተኛታት ዘለዎ ኮይኑ ናብ ቲበት ዝቀረበ ስለዝኾነ ንኣሜሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።

ኣሜሪካ ንምንታይ’ዩ ንቆንስል ቻይና ኣብ ኣሜሪካ ዓጽያቶ?

ብሰሉስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ሁስተን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ቻይና ክዕጾ ኣዚዙ።

እቲ ተግባር ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ቻይና መን ምዃኖም ዘይተፈለጡ ሰባት ወረቀት ከንድዱ ምስ ተራኣዩ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ እዚ ወሲዳ።

ማይክ ፖምፕዮ “ ቻይና ናይ ኣሜሪካ ኣእምሮኣዎ ንብረት ጥራይ ኣይኮነትን ሰሪቃ፡ ናይ ሃገራት ኣውሮጳ’ውን ሰሪቃ እያ” እዩ ኢሉ።

ንሱ፡ ብምስዓብ “ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ክኸተል ኣለዎ ሓንጺጽና ኣለና፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ግን ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” ኢሉ።

ኣብ ሁስተን ዝርከብ ቤት ጽሐፈት ቆንስል ቻይና ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ቤት ጽሕፈታት ቆንስል ኮይኑ፡ ንምንታይ እቲ ቤት ጽሐፈት ጥራይ ክዕጾ ከምዝተወሰነ ክሳብ ሕጂ ኣይተሓበረን ዘሎ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ንምዕጻው እቲ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቱ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ስጉምቲ ኣሜሪካ “ዘይእመንን ስሓቅን” ኢልዎ።