እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ሁስቶን ዝርከብ ቆንስል ቻይና ክዕጾ መምርሒ ተዋሂቡ
ኣብ ኣመሪካ ከተማ ሁስቶን ዝርከብ ቆንስል ቻይና: ብትእዛዝ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ቻይኒ ነዚ ውሳኔ፡ “ፖሎቲካዊ ምትዅታዅ” ክብል ገሊጽዎ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ “ምርመራዊ ንብረት ኣመሪካ ንምኽልካል ተባሂሉ ዝተወስደ’ዩ” ክብል ገሊጹ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይን ዋንግ ወንቢን ግን፡ “ቅጥዕን መሰረትን ዘይብሉ” ክብል ኮኒንዎ።
እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቆንስል ሰነዳት ከንድድ ብስእሊ ምስ ተቐድሐ እዩ።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጥሪ እናሰፈነ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምስ ምምሕዳር በይጂን፡ ኣብ ንግዲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ብቐጻሊ ክጋጮ ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን በይጂን፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ሓድሽ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሕጊ ተግባራዊ ምስ ገበረት፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ሆንግ ኮንግ ጣልቃ ካብ ምእታው ክትቁጠብ ቻይና ኣጠንቂቓ እያ።
ዝሓለፈ ሰሉስ’ውን፡ ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ዝመርምሩ መጽናዕትታት ዒላማ ንዝገበሩ ሰርሰርቲ መርበባት ትሕግዝ ኣላ ድሕሪ ምባል፤ ኣብቲ ስለያ ተሳቲፎም ዝበለቶም ክልተ ቻይናውናን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲያ።
መንግስቲ ቻይና ብወገኑ፡ ኣመሪካ እትወስዶ ዘላ ውሳኔታት ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ቻይና፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቒቑ እዩ።