እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ወሰኽ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣሻቒልዋ ኣሎ
መዓልታዊ ዘጋጥም ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ መጠኑ ይውስኽ ኣሎ።
ገሊኦም ኣመሓደርቲ፡ ሓድሽ ስጉምቲ ዕጽዋ ክእውጁ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ። ንኣብነት፡ ብሰኑይ ኣብ ፍሎሪዳ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ ልዕሊ 100 ሽሕ በጺሑ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ጥንኩር መምርሒ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ስለ ዘየሎ፡ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳር ከተማታት ናይ ባዕሎም መምርሒ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ከውጽኡ ጀሚሮም።
እንተ ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ኣሜሪካ "ዘሻቕል ወሰኽ መልከፍቲ” ኮሮናቫይረስ ይርኣይ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጂ ዶክተር ፋውቺ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ደቡብን ምዕራብን ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ "ከባብያዊ ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ይውስኽ" እዩ ዘሎ ብምባል፡ ነቲ ኹነታት ድማ ኣዝዩ ዘሻቕል ክብል እዩ ገሊጹዎ።
"ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 30 ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ነይሮም። እዚ ንዓይ ጸገም'ዩ" ኢሉ።
"ስለ ዝኾነ፡ ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳ፣ ኣሪዞናን ካልኦት ግዝኣታትን ዘጋጥም ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ክንጽገም ኢና" ኢሉ።
ክኢላታት ጥዕና፡ ሕጂ'ውን ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው፡ ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ኣብ ምንካይ ዓብዪ ሓገዝ ዘለዎ መምርሒ እዩ ይብሉ።
ካብ ካልእ ሃገር ንላዕሊ፡ 2.3 ሚሊዮን ኣሜሪካውያን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፤ 120 ሽሕ ድማ በዚ ምኽንያት ሞይቶም እዮም።
ይኹን'ምበር፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ "እዚ መዓት፤ ተመሊሱ ይኸይድ'ዩ ዘሎ" ብምባል ኣብ ኣሪዞና ጎስጓስ መረጻ ኣካይዱ።
ኣሪዞና፡ ሕጂ'ውን ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እተመዝግብ ዘላ ኮይና፡ ሰበ ስልጣን ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ናይ ሆስፒታላት ዓራት ብሕሙማት ከም ዝተታሕዘን፡ ስርዓት ጥዕና ኣሪዞና ኣብ ቀረባ መዓልታት ወይ ሰሙናት ሃዶሽዶሽ ክብል ከም ዝኽእልን የጠንቅቑ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ኦክላሆማ ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ መረጻ፡ ሰበ ስልጣን ቁጽሪ እናቖጸሩ ካብ ዝውዕሉ፡ እቲ መርመራ ኣጉድሉዎ ኢለ ነቲ ሓይሊ ዕማም ተዛሪበ እየ ዝብል ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ካልኦት ካብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት፣ ምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ከምኡ'ውን ኣገልግሎትን ጥዕናን ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቶም መልሲ ሂቦም።
ፋውቺ ንሓገግቲ እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣሜሪካ ክርኣይ ከም ዝጀመረን፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ "ዝግ ክብል" ከም ዘይተዛረቦምን ኣብሪሁ።
"ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ኩላትና እቲ ዝካየድ መርመራ ክንንክዮ ኣይተነገረናን፤ ግን ድማ ገና ተወሳኺ መርመራ ክንገብር ኢና" ኢሉ ዳይሬክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጂ ዶክተር ፋውቺ።
እዞም ክኢላታት፡ ኣሜሪካ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ወርሓዊ ካብ 40 ክሳብ 50 ሚሊዮን ሰባት ክትምርምር እያ ኢሎም።
ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ'ውን፡ እቲ ፕሬዝደንት ዝሃቦ ርእይቶ 'ዋዛ' እዩ ነይሩ እንትብል፡ ትማሊ ግን እቲ ፕሬዝደንት ባዕሉ "ኣይተዋዘኹን” ኢሉ።