ተወዳዳሪ ዲሞክራት በርኒ ሳንደርስ፡ ሩስያ ካብ መረጻ ኣመሪካ ኢዳ ክትእክብ ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ንውድብ ዲሞክራት ወኪሉ ክወዳደር ዝጉስጉስ ዘሎ በርኒ ሳንደርስ፡ ሩስያ ካብ መረጻ እታ ሃገር ኢዳ ክተውጽእ ሓቲቱ።

በርኒ ሳንደርስ፡ ሩስያ ንወፍርታቱ ንምሕጋዝ ትፍትን ከምዘላ ሰብ መዚ ኣመሪካ ከምዝሓበሩሉ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሩስያ ወፍርታቱ ንምሕጋዝ ብኸመይ ኢዳ ክተእቱ ከምዝፈተነት እኳ ግልጺ እንተዘይኮነሉ፡ ንዝኾነ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ግን ኣጥቢቑ ከምዝቃወም ገሊጹ።

ወዲ 78 ዓመት ሳንደርስ፡ መንግስቲ ናይቲ "ምልካዊ ወመነ" ክብል ዝገለጾ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናይ ኢንተርነት ፕሮፖጋንዳ ብምጥቃም ንኣመሪካ ንምክፍፋል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሩስያውያን ንዓና ብምክፍፋል ዲሞክራሲና ከታሕቱ እዮም ዝደልዩ ዝበለ ሳንደርስ "ኣነ ከምቲ ሕዚ ዘሎ ፕረዚደንት ከይኮንኩስ፡ ኣንጻር ሩስያውያንን ካሊእ ኣብ መረጻና ኢዱ ዘእቱን ጠጠው ክብል እየ" ኢሉ።

በርኒ ሳንደርስ፡ ንውድብ ዲሞክራት ወኪሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ክሳተፍ ቅድመ ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ሩስያ ወፍርታት በርኒ ሳንደርስ ንምሕጋዝ ትፍትን ከምዘላ ንፕረዚደንት ትራምፕን ሓገግቲ ኣመሪካን ሓበሬታ በጺሕዎም እዩ።

ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ግን፡ ሩስያ ንበርኒ ሳንደርስ ንግሕጋዝ ምፍታና ዘርኢ መረዳእታ ከምዘይረኸበ እዩ ዝገልጽ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ስለላ ኣመሪካ ድማ፡ ሩስያ ፕረዚደንት ትራምፕ ክዕወት ንምሕጋዝ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ኢዳ ክተእቱ ድልየት ኣለዋ ኢሉ ከምዝኣምን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ነቫዳ ኣብ ዝገበሮ መደረ ወፍሪ ምረጹኒ፡ ኢድ ኣእታውነት ሩስያ ዝምልከት ዘሎ ሓበሬታ ዲሞክራት ዝጀመርዎ "ወረ" እዩ ኢሉ።