እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ መዝነቱ ዝተሰጎገ ሬክስ ቴሌርሶን፡ ንናይ ሩስያ "ኣፀጋሚ ጠባያትን ተግባራትን" ኣጠንቂቑ
ምኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቴሌርሶን፡ ድሕሪ ብፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ምስጓጉ ኣብ ዝሃቦ ናይ ስንብት መግለጺ፡ ንናይ ሩስያ "ኣፀጋሚ ጠባያትን ተግባራትን" ኣጠንቂቑ።
ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ካብ ምምስጋንን ንፖሊሲታቱ ካብ ምንኣድን ግና ተቖጢቡ።
እቲ ናይ ኤክሶን ሞቢል [ExxonMobil] ሓላፊ-ነበር ዓሚ ድሕሪ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ምምዛዙ ምስ ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ቀጻሊ ዘይምቅዳዋት ነይርዎ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብትዊተር ኢዩ ንቴሌርሶን ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎን፡ ንናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካል [ሲ ኣይ ኤ] ሓላፊ ማይክ ፖምፔዮ ከምተካኢኡ ዝመረጾን።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ን ጂና ሃስፐል ድማ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ሲ ኣይ ኤ ገይሩ ሸይምዋ ኣሎ።
ናይ ቴሌርሶን ግበረ-መልሲ'ኸ ከመይ ነይሩ?
ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣብዝሃበሉ እዋን፡ ቴሌርሶን ኣሜሪካ ምስ ቻይና ጽቡቕ ዝምድና ንኽህልዋ ጽቡቕ ስራሕ ከምዝተሰርሐን፡ ንናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባታ ንምቁጽጻር ከምዝኸኣለትን ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ንናይ ሩስያ መንግስቲ ኣሸጋሪ ጠባያትን ተግባራትን ኣብ ምምላስ ጌና ብዙሕ ክዕመም ዝግብኦ ስርሓት ተሪፉ ከምዘሎ ገሊጹ።
"ሩስያ ስጋብ ክንደይ ኩሉ ተግባራታ ንረብሓ ህዝቢ ሩስያን ዓለምን ከምዝኾነ ብጥንቃቐ ክትግምግም ይግብኣ። ኩሉ ዘካይድዎ ዘለው መደባቶም ድማ ንሩስያ ዝያዳ ካብ ዓለም ክንጽላን፡ እቲ ኩነታት ድማ ንዝኾነ ይኹን ከምዘየርብሕን" ገሊጹ።
እቲ በቲ ኩነታት ዝደኸመን ዝነደረን ዝምስል ቴሌርሶን፡ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ምንጻር መጻኢ መዓልታት ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ ቴሌርሶን ስጋብ 31 መጋቢት ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ዝእለን፡ ፖምፔዮ ድማ ስጋብ ስልጣኑ ዝረግኣሉን፡ ምክትሉ ጆን ሱልቪያን ኩሉ ናይ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ስርሓት ክዓሞ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።
"እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ኣሜሪካ ከምሃገር ቀጻሊ ርኡይ ናይ ፖሊሲን ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ብድሆታት ኣብዘጋንፈላ ዘሎ እዋን ጽፉፍን ጥጡሕን ምስግጋር [ስልጣን] ክረጋገጽ ኣለዎ" ኢሉ ቴሌርሶን።
ናይ ትራምፕ ምኽንያታት'ከ እንታይ ነይሩ?
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ [13 መጋቢት] ኣብ ደገ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለጺ ምስ ቴሌርሶን ዘለዎም ፍልልያት ውልቃዊ "ዘይምጥዕዓም" ኢዩ ኢሉ።
"ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ጽቡቕ ሰጒምና፡ ኣብ ገለ ድማ ኣይተሰማማዕናን" ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።
"ኣብ ጉዳይ ኢራን ምስትመልከቱ፡ ከምዝመስለኒ እቲ ኣረኣእይኡ ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ፡ ዋላ'ኳ ንሱ ጽቡቕ ነይሩ እንተበለ" ኢሉ ትራምፕ።
"ምስ ማይክ ፖምፔዮ፡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ኣሎና። ከምዝመስለኒ ብሓባር ጽቡቕ ክንስጉም ኢና" ኢሉ ትራምፕ።
ቴሌርሶን ሓደ ካብቲ ሊስት ናይቶም ኣብ ግዜ ትራምፕ ካብ ስርሖም ብወለንታ ዘወረዱን ወይድማ ዝተስጉን ሓደ ኢዩ።
ብኸመይ ኣገባብ'ዩ ቴሌርሶን ካብ ስልጣኑ ተስጒጉ?
ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ቴሌርሶን ስጋብ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ካብ ስልጣኑ ዝስጉግ ቀጻሊ ዝይምርድዳእ ነይርዎም።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ኣገባብ ኣነጋግራ ብኸመይ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝወረደ ዝተፈላለየ ርእይቶታት የቕርቡ።
ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ቴሌርሶን ብዓርቢ [9 መጋቢት] ዓቢ ብዓልስልጣን ኣቲ ቤት መንግስቲ፡ ጆን ኬሊ ብቴሌፎን ካብ ሓላፍነቲ ከምዝወረደ ሓቢርዎ ይብል።
ቴሌርሶን ድማ እቲ መግለጺ ስጋብ ንሱ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ዝምለስ ክደናጐይ ከምዝጠለበ ድማ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ይገልጹ።
እንተኾነ ቅድሚ ፕሬዚደንት ትራምፕ ትዊት ምግባሩ፡ ዋሽንግቶን ፖስት ብሰሉስ ናይ ቴሌርሶን ካብ ሓላፍነቱ ምስጓጉ፡ ሓደ ብዓልስልጣን ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
ቴሌርሶን ከምዝበሎ ሰለስተ ሶኣት ድሕሪ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ትዊት፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቴሌፎን ከምዝረኸቡ ገሊጹ።
ንትራምፕን ቴሌርሶንን ዝፈላልዮ እንታይ'ዩ?
ካብ ዓሚ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፕሬዚደንት ትራምፕን ቴሌርሶንን ዝየምርድዳእ ነይሩ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቴሌርሶን ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ድልየት ኣለዎ ንዝተባህለ ወረ ናይ ክሕደት መግለጺ ክህብ ጸቕጢ ከምዝተገብረሉ ይግለጽ።
እንተ እቲ ንሓለቕኡ "ዓንጃል" ዝበሎ ግና ኣብ መግለጺ ኣይገለጾን።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብወገኑ ድማ ንቴሌርሶን ኣመልኪቱ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ምስ ሰሜን ኮራያ ንምዝርራብ "ግዚኡ ብብላሽ የባኽኖ ኣሎ ኢሉ"።