ፕሬዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ንጥፈታት 600 ሰለይቲ ኣበርዒና

ሰለይቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሳይንሳውን ቴክኖሎጂካውን ሓበሬታ ሩስያ ንምርካብ ምንቅስቓሳቶም ኣዛይዶም ስለዘለው፡ ነዚ ምንቅስቓሳቶም ንምብርዓን፡ ሰለይቲ ሩስያ ዝይዳ ሓላፍነት ከምዘለዎም ፕሬዚደንት ፑቲን ኣተሓሳሲቡ።

ሃገራት ምዕራብ ብወገነን፡ ሰለይቲ ሩስያ ብዙሕ ውዲታት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብላ እየን ዝኸስሳ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስክሪፓል ንዝበሃል ሰላሊ ነበር ሩስያ ምስ ጓሉ ኣብ ምስማም፡ ሩስያ ኢድ ነይርዋ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም፡ 25 ሃገራት ንዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ሃገራቶም ሰጒጎም እዮም።

ፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናይ ወጻኢ ሃገራት ናይ ስለያ ትካላት ኣብ ሩስያ ምንቅስቓሳተን ብምሕያለን ድሕሪ ምኽሳስ፡ ሃገሩ ኣብ ዓመተ 2018 ኣማኢት ናይ ወጻኢ ሰለይቲ ስርሖም ከቋርጹ ከምዝገበረት ገሊጹ።

ምሉእ ሓበሬታ ኣይሃብ ድኣ`ምበር፡ ሃገሩ ናይ ኣስታት 600 ኣባላት ስለያን ሰራሕተኛታትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ከምዘበርዓነት ፑቲን ገሊጹ።

ናይ ሩስያ ሰለይቲ ዝተፈላለየ ውዲታት ብምእላም ይውንጀሉ፡ እንተላይ ኣብ ምስማም ናይ ሩስያ ሰላይ-ነበር ሰርጊየ ስክሪፓል።

ናይ ስለያ ትካላት ሆላንድ፡ ቼክን ሽወደንን ኣብ ሃገራተን ናይ ሩስያ ናይ ስለያ መጥቃዕትታት ከምዘበርዓና ይገልጻ። ሩስያ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝካየድ ምርጫታት ኢዳ ብምትእትታዋ ትውንጀል።

ፕሬዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዶላድ ታስክ፡ ናይ ሩስያ ስም ከይጠቐሰ፡ ``ገለ ጸረ-ኤውሮጳ ዝኾኑ ሓይልታት`` ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ባይቶ ምርጫ ንምዕንቃፍ ክፍትኑ ይኽእሉ ክብል ብሰሉስ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ፑቲን ንኣባላት ስለያ ሩስያ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኩሉ ንጥፈታቶም ብፍላይ ኣብ ምሕላው ሓበሬታታት ምምዕባል ኣጽዋር፡ ስሉጥን ቅልጡፍን ክኽውን ከምዘለዎ ሓቢርዎም።

ከምቲ ኣብዚ እዋን እንሪኦ ዘሎና፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሰለይቲ ኩሉ ንጥፈታቶም ብምዝያድ ኣብ ናይ ሩስያ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሳይንሳውን ቴክኖሎጂካውን ምዕባለታት ሓበሬታ ንምርካብ ዝሓለነ ኢዩ ኢሉ።

ዓሚ ታሕሳስ፡ መንግስቲ ቼክ ምንቅስቓስ ሓደ ናይ ሩስያ ኤምባሲ ኸውሊ ዝነበሮ ጉጅለ ከምዘዕነወ ገሊጻ።

ናይ ሆልናድ ናይ ጸጥታ ኣባላት`ውን፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ጉዳይ ኬሜካላዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ናይ ዝከታተል ዓለማዊ ትካል መርበብ ሓበሬታ ሶሊኾም ንምእታው ዝተገብረ ፈተነ ከምዝፍሸሉ ገሊጾም እዮም።

እቲ ኣንጻር ሩስያ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ስለያ ጠቐነታት ድማ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ዘሎ ሃዋህው ዝያዳ የብእሶ ከምዘሎ ይግለጽ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ክልቲኤን ሃገራት ካብቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝኸተምኦ ስምምዓት ስሒበን።

ድሕሪ`ዚ ኹሉ፡ ፕሬዚደንት ፑቲን ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝበሎ፡ ሩስያ ሓድሽ ማእከላይ-ዓቕን ዘለዎ ሚሳይል ክተማዕብል ከምዝኾነትን፡ እንተድኣ ሃገራት ምዕራብ ሚሳይላተን ናብ ሩስያ ከምዝቐንዕ ገይረን ድማ፡ እቲ ሕጂ ተማዕብሎ ዘላ ሚሳየል ናብ ርእሰ ከተማታት ሃገራት ምዕራብ ከምዝቐንዕ ገሊጹ።