ቻይና መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ናብ ወዳባት ሆንግ ኮንግ ከይኣትዋ ወሲና

ቻይና፡ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ናብ ወዳባት ሆንግ ኮንግ ከይኣትዋ ወሲና። እቲ ውሳነ፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ ኣመሪካ ንተቓወምቲ ሆንግ ኮንግ ንምድጋፍ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብባይቶ ኣመሪካ (ኮንግረስ) ዝጸደቐ፡ ንሆንግ ኮንግ ዝምልከት "ኣዋጅ ሰባዊ መሰላትን ደሞክራስን" ከም ሕጊ ምጽዳቑ፡ ንቻይና ኣቖጢዕዋ'ዩ።

እቲ ሕጊ፡ ምስ ሆንግ ኮንግ ፍሉይ ንግዳዊ ርክባት ዝህልወሉ ዕደል ንምንዳይ ዘፍቅድ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

"ኣመሪካ ንጌጋታታ ክትእርምን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ምትእትታው ደው ክተብልን ንምሕጸን" ክትብል ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሁዋ ቹኒንግ ተዛሪባ።

"ኣድላዪ እንተድኣ ኾይኑ፡ ቻይና፡ ምርግጋእን ብልጽግናን ሆንግ ኮንግን ንምርግጋጽን፡ ልኡላውነት ቻይና ንምውሓስን ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክትወስድ'ያ" ኢላ።

ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ንተቓወምቲ ሆንግ ኮንግ ይድግፋን'የ ዝበለተን ተሓለቕቲ ጉጅለታት ሰባዊ መሰላት ማዕቀብ ከም ዘንበረት ይዝከር።

ሁማን ራይትስ ዎች፣ ፍሪደም ሃውስ፣ ናሽናል ኢንዶውመንት ፎር ደሞክራሲን ካልኦት ትካላትን በቲ እገዳ ተጸልየን ኣለዋ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዋላ'ኳ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣትዋሉ እዋን ዝቋረጽ እንተኾነ፡ ዓመታዊ ሓያሎ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ናብ ወደባት ሆንኮንግ ክኣትዋ ፍቓድ ይወሃበን ነይሩ።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ማያዊ ምስሕሓብ ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ንዘሎ ርክባት ሓሓሊፉ ይትክንፎ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣመሪካ፡ ቻይና ናይቲ ዞባ ጎብለል ከይትኸውን፡ ምስ ሓያሎ ናይ ቻይና ስግኣት ዘለዋን ሃገራት ምስራሓ ንቻይና ደስ ዘይብላ ጉዳይ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ ቻይና ርትዓዊ ዝብሎ ንግዳዊ ስምምዕ ከረጋግጽ ይሰርሕ ምህላዉ ይግለጽ።

ንሱ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንግዳዊ ኲናት ተወሊዑ ከም ዘሎን፡ ኣብ ንሓድሕደን ብቢልዮናት ዝግመት ቀረጽ ምውሳነን ይዝከር።