ሶማልያ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ብምስሓብ፡ ንልኡኽ ኬንያ ሰጒጓ

መንግስቲ ሶማልያ፡ ንኬንያ ብፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ብምኽሳስ እዩ፡ ልኡኹ ካብታ ሃገር ክወፅእ ፀዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሶማልያ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኬንያ ሉቃስ ቱምቦ፡ “ንምዝታይ” ብዝብል ካብ ሃገራ ሰጕጋቶ ኣላ።

ሶማልያ፡ ነቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ንዝካየድ መረፃ ኣብ ዝሓለፈ 17 መስከረም ዝተበፅሐ ናይ መረፃ ስምምዕ፡ ጁባላንድ ክትነፅጎ ፀቕጢ ትገብር ኣላ ክትብል ድማ፡ ንኬንያ ከሲሳታ።

ቀዋሚ ፀሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሶማልያ ሞሓመድ ዓሊ ኑር፡ “ኬንያ ኮነ ኢላ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኢዳ ስለዘእተወት፡ መንግስቲ ሃገራዊ ሉኣላውነት ንምሕላው እዩ እዚ ስጉምቲ ወሲዱ” ኢሉ።

“ኬንያ ብርኡይ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፌደራላዊ ሪፐብሊክ ሶማልያ፡ ንመንግስቲ ኣጉህዩ እዩ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ህድኣት፣ ፀጥታን ዕብየትን እቲ ዞባ ዕንቅፋት ክኸውን ዝኽእል እዩ” ኢሉ ኣብቲ ዝሃቦ መግለፂ።

ኬንያ ምእንተ ናይ ባዕላ ፀጥታን ዞባዊ ድሌታን ክትብል፡ ንፕረዝደንት ኣሕመድ ሞሓመድ ኢስላም (ማዶቤ)፡ ትድግፍ እያ ክብል ከሲሱ።

ኬንያ ንጉጅለ ሚሊሻ ኣልሸባብ ንምምካት፡ ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም ምስ ኢትዮጵያ ወታሃደራታ ከምዘዋፈረት ይፍለጥ።