ሶማል፡ ሰላማዊ መፍትሒ ክናደይ ዝጽውዕ መግለጺ ስሒባቶ

ሶማል ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ጎንጺ ኣመልኪቱ "ንሓድነት ኢትዮጵያ ንድግፍ" ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ዝዘርግሖ መግለጺ ድሕሪ ምስሓቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዘርግሐ መግለጺ ወሲኹ፡ "ሶማል ሕጂ'ውን ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ዝወሰዶ፡ ሕገ መንግስቲ ምኽባርን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ምሕላውን ደገፋ ትገልጽ" ይብል

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ግና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ እቲ መግለጺ ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ተኣልዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ኣሕመድ ኣዋድ ብትዊተር ሶማል ንኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘየውጽአት ሓቢሩ።

"እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ መግለጺ ንፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝውክል ኣይኮነን" ኢሉ።

ብተመሳሳሊ: ሰኑይ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ድሕሪ ምኻቡ፡ ብትዊተር እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ጎንጺ ብዘተ ክፍታሕ ከም ዘድሊ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ'ውን ጸኒሑ ነቲ ጽሑፍ እኳ እንተኣለዮ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ደጊሙ ለጢፍዎ እዩ።

ኣብቲ ብመንገዲ ፌስቡክ ገጽ ቤተ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ፡ እቲ ፕረዚደንት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ህወሓትን ክዛተዩ ጸዊዑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ'ውን ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ህወሓት ብ14 ሕዳር ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝገበሮ መጥቃዕቲ" ብጽኑዕ ድሕሪ ምኹናን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ፡ ሰላም ንምስፋንን ሲቪላውያን ንምክልኻልን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ተማሕጺኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ በቲ "ህወሓት ዞባዊ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝገበሮ ርኡይ ፈተነ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ከም እተሻቐለ ብምግላጽ፡ እቲ ኤርትራ "ዘርኣየቶ ትዕግስቲ" ነቲ ኩነታት ካብ ምጉህሃር ዝዓግት እዩ ብምባል ናእድኡ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ቶኽሲ ናይ ምቁራጽ ጻውዒት ክገብር እንከሎ: መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳን ኬንያን ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኑ: ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዑደት ዝገብር ዘሎ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ኲናት ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ንምምዕባል ዝተጎናጸፍዎ ዓወታት ክድውን ከም ዝኽእል" ኣጠንቂቑ።

ንሱ ወሲኹ፡ "እቶም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ብሰላማዊ መንገዲ ነቲ ቅልውላዉ ክፈትሕዎ" ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዛጊት "ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት" ይፍጽም ከም ዘሎ ብምግላጽ ንዝቐርበሉ ሕቶታት ናይ ዘተ ክነጽጎ ጸኒሑ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት ክገብር ከምዝቐነየን፡ እቲ ዑደት ድማ ምስ ሽግልና ምሕሕሓዝ ከምዘይብሉን ኣፈኛ ናይቲ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ክልል ትግራይ: ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ዝኾነ ናይ ሽምግልና ፈተነ፡ ንዘይተሓታትነትን ስርዓት-ኣልቦነትን ዘተባብዕ እዩ። ዝኾነት ሃገር ሮኬታትን ሚሳይላትን ከም ዘለዎን ከጥቅዕ ምዃኑን ምስ ዘፈራርሕ ኣካላ ንዘተ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን እያ" ኢሉ።

ገለ ምንጭታት ግና ኬንያ ንተኽእሎታት ምቁራጽ ቶኽስን ዘተን ዝድህስስ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ካሎንዞ ሙስዮካ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትሰድድ ምዃናን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፍቓደኛ ኮይኑ ምህላውን ገሊጾም። ቢቢሲ ግና ነቲ ዜና ብካልእ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ዛጊት ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ውግእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ንጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዱ ኣሎ።