እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል ሰልፈኛታት ጸዊዖም
ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ሰልፈኛታት፡ ኣንፃር እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቓውሞ ኣስሚዖም።
እቲ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ሰልፈኛታት ንመራሒ ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብትሪ ብምንቃፍ ብስም ምኽባር ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ኵናት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነዚ ተረዲኡ ነቲ ኵናት ደው ከብሎ ፀዊዖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ 'ውሑዳት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝርከቡ' ዝበሎም ሓይልታት ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ክዋግኡ ካብ ዝጅምሩ፡ ሓደ ሰሙን ኮይኑ'ሎ።
ሰልፈኛታት እንታይ ኢሎም?
ሓደ ካብ ኣወሃሀድቲ እቲ ሰልፊ ኣሉላ ሰሎሞን፡ "ሕጊ ብኣኽበርቲ ሕጊ እምበር፡ ወተሃደር ሰዲድካ ኣይኮነን ዝኽበር" ብምባል፡ እቲ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ "ምኽባር ሕጊ" ዝበሃል ምኽንያት ሽፋን እዩ ክብል ይገልጽ።
እቲ ኵናት ምስ ተወልዐ፡ ኣብ ቤት ዕዮ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ጸጥታን ዝሰርሑ ተጋሩ "ብሰንኪ መንነቶም ካብ ስርሖም ተሰጉጎም" ዝብሉ እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ ድማ ብሰንኪ ዓሌቶም ጥራይ ይከላበቱ፣ ይጋፍዑን ይእሰሩን ኣለዉ ክብሉ መረረኦም ገሊጾም።ቅድም ክብል፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻልን ኮምሽን ፖሊስ ፌደራልን ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃቦም ክጽበዩ ከምዝተሓበሩ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ምውላዕ እቲ ጎንጺ፡ ኣባላት ህወሓት እዮም ዝተብሃሉን ሰላም ክዘርጉ ተንቀሳቒሶም ዝተባህሉን ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊጻ ነይራ።
ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ "ካብ መንግስቲ ብዝቐረበሉ ጻውዒት" ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ሽሕ "ጥቆማ" ሂቡ ክትብል እውን ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ'ታ ከተማ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ "ሰላማዊ ምንቅስቓስ'ዮም ዝገብሩ ዘለዉ" ዝበለት እታ ኣመሓዳሪት፤ እንተኾነ "ታሪኻዊ ጌጋ ከይትፍጽሙ" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪባ ተዛሪባ።
ኣተሓባባሪ ናይ'ቲ ሰልፊ ኣሉላ ሰሎሙን፡ መንግስቲ ፈደራል "ኣብ ትግራይ ህዝቢ ዝግልገለሎም ኣገልግሎታት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ኢንተርኔትን ባንክን ኣቋሪፅካ ከተብቅዕ፡ ምስ ዝኾነ ጉጅለ እዩ ባእሰይ፡ ሕጊ እየ ዘኽብር ዘለኹ ምባል ትኽክል ኣይኮነን" ኢሉ።
እቲ ጎንጺ ምስተወለዐ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ስልኪ ኢመይልን እኳ እንተተቛረጸ መን ከምዘቋረጾ ኣይፍለጥን እዩ፤ ክሳብ ሕጂ እውን ኣገልግሎት ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ባንክን ዕጹው እዩ ዘሎ።
እቲ ኣዋሃሃዲ ናይ'ቲ ሰልፊ "ኣብይ ኣሕመድ ሰዲድዎ ንዘሎ ሰራዊት ክመልሶ ኣለዎ፤ ኣብ ሓደ ሃገር ንዘሎ ዜጋ ደብዳብ ነፈርቲ ናፈፀምካ ዝፍታሕ ዘሎ ፀገም ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን" ይብል።
ኣቢይ ኣሕመድ ግን ነቲ ኣብ ገዛእ ወገኑ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጀለ ንዝተቖጻጸሮ ኣጽዋር ንምዕናው እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘነጻጸረ ደብዳብ ከምዘይግበር ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ብትግርኛ ተዛሪቡ እዩ።
" ሓደጋ መታን ከየጋጥም ኣብ ከተማ ተኣኪብኩም ኣይትኺዱ" ክብል ከኣ መኺሩ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ጸኒሖም ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪስም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብለበዳ ኮቪድ ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሺን ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ነጺጉዎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።
ብድሕርዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ02 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣቢይ ሰራዊትና ብገዛእ ወገኑ ስለዝተጠልመ፡ ሕጊ ከነኽብር ኢና ብምባል ኩናት ኣዊጁ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዙ እውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ሰሙኑ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኢመይል፡ ባንክን ኣቋሪጹ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ገና ይፈኻኸሩ ኣለው።
ዶር ደብረጽየን፡ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክሽምገል ድላይ ከምዘለዎ እኳ እንተገለጸ ዶክተር ኣቢይ ግን 'ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ዝግበኦም መቕጻዕቲ ከይወሰዱ ሰላማዊ ዝርርብ ዝበሃል የሎን' ይብል ኣሎ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝተፈለላዩ መንግስታትን ህዝቢ ከይጉዳእ፡ ጉዳይኩም ብዘተን ልዝብን ፍትሕዎ ይብሉ ኣለው።