እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ዩጋንዳን ኬንያን 'ሰላማዊ ፍታሕ' ክርከበሉ ጸዊዖም
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ "እቶም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ብሰላማዊ መንገዲ ነቲ ቅልውላዉ ክፈትሕዎ" ጸዊዑ።
ንሱ፡ ነቲ መግለጺ ዝሃበ፡ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮንን ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።
ፕረዚደንት ኡሁሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ኩነታት ናብ ውጹእ ግጭት ከየምርሕ ብምጥንቃቐ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ማከል ስሕበት ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ኮይነን ምጽንሐን" ጠቒሱ።
ኣቶ ደመቀ፡ ኣቕድም ኣቢሉ'ውን ምስ ረፕዚደንት ኡጋንዳ ዮወሪ ሙሴቬኒ ተራኺቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት፡ "ዘየድሊ ምጥፋእ ህይወት ከስዕብን ንቑጠባ እታ ሃገር ክሃስዮን ስለዝኽእል" ልዝብ ክግበር ኣለዎ ብዝብል ኣብ ትዊተር ንዝጸሓፎ መጸዋዕታ ጸኒሑ ምስራዙ ከዘራርብ ውዒሉ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝበለ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ ኡጋንዳ ረኺቡ ምስኣዘራረቦ እዩ ነይሩ።
ሕጂ ግን እቲ ኣብ ትዊተር ዝነበረ ጽሑፍ ተኣልዩ ኣሎ።
ጸኒሑ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ደጊሙ እቲ ግጭት ብዝርርብ ክፍታሕ ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ጽሑፍ ንምንታይ ከምዝተኣለየ መግለጺ ኣይተውሃበሉን። ዛጊድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዝኾነ ልዝብ ከምዘይገብር እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ "ወፍሪ" ድማ "ሕጊ ናይ ምፍጻም ወፍሪ" ነበናለ እዩ ዝገልጾ።
ብሰንኪ እዚ ውግእ፡ ብኣሸተሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክሃድሙ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ቅድም ክብል፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ከላዝቦም እዩ ዝብል ሓበሬታት ወጺኡ'ኳ እንተነበረ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ሓበሬታ ነጺግዎ።
ሙሴቬኒ ምስ ደመቀ ዝነበሮ ዘተ "ኣብ ህሉው ኩነታት ሰላምን ጸጥታዊ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ዘትኮረ" ከምዝነበረ እዩ ገሊጹ።
ሙሰቨኒ ወሲኹ ድማ "ኣብ ብሄር ዝተደረኸ ፌደራሊዝም ትኹረት ዝገብር ፖለቲካ ፈጺመ ኣይኣምነሉን። ኣብ ጉዳያት ሓድነትን ሓበራዊ ረብሓታትን ኢና ክነተኩር ዝግበኣና፡ ምኽንያቱ ኸኣ ክንምዕብለሉ እንኽእል እንኮ መገዲ ስለዝኾነ" ኢሉ።
ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብዎም ካልኦት ወገናት'ውን እቲ ሓደገኛ ኩነታት ብሰም ክፍታሕ ምጽውዖም ይዝከር።