ቅልውላዉ ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንዘተ ሰላም ቅሩብ ከምዘይኮነ ገሊጹ

እቲ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዘተ ሰላም ከካይድ ንዝቐረበሉ ጠለብ ነጺግዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ እቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ግን፡ "ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ክሳብ ዝዕወት" ዝርርብ ከምዘይህሉ ኣነጺሩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ድሮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል 'ሰሜን እዝ' ድሕሪ ምጥቅዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንኣዋርሕ እናገደደ ዝኸይድ ዝነበረ ወጥሪ፡ ናብ ዝኸፍአ መልክዑ ዓሪጉ ይርከብ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ ደገፍ ክገብር ሓቲቱ ነይሩ። ኣቦመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ግን፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከረጋግጸሉ ዝደሊ" ግዝኣተ-ሕጊ ክሳብ ዝረጋገጽ ዝርርብ ዝብሃል የለን ኢሉ።

"ኣብ ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ዝካየዱ ስርሒታት፡ በቲ ዝተወጠነሎም ይግስግሱ ኣለዉ፡ እቲ ገበናዊ ጉጅለ ዕጥቁ ከም ዘውርድ ምስ ተገብረ፡ ተቐባልነት ዘለዎ ምምሕዳር ምስ ቆመ፡ ካብ ሕጊ ሃዲሞም ዘለዉ ምስ ተታሕዙን ናብ ሕጊ ምስቀረቡን እቶም ስርሒታት ደው ክብል'ዮም- ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክዕወቱ ድማ ተቓሪቦም ኣለዉ።"

ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ምዕባለታት፡

  • ትካላት ረዲኤት ኣስታት 200 000 በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ሰባት ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም
  • ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ኢድ ኣለዎ ዝብል ብመራሕቲ ትግራይ ዝቐረበ ክሲ፡ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነጺጎሞ
  • ሰራዊት ኢትዮጵያ 550 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከምዝቐተሉ ኣፍሊጡ

ኣብቲ ወግእ ክንደይ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ?

ቁጽሪ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝሞቱ ብንጹር ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ብኣሚት ዝቑጸሩ ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ 550 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ ክብላ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ይኹን እምበር እቲ ሓበሬታ ዛጊት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ብኻልእ ወገን፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዕርፎ ኣየር ሑመራ ከምዝተቖጻጸርዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ላዕለዎት ጀነራላት ዝርከብዎም 17 ወታሃደራዊ መኮንናት፡ ምስ ክልል ትግራይ ርክባት ብምግባር ኣንጻር ሰራዊት ምክልኻል ሰሪሖም ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ፌደራል ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ላዕለዋይ እዚን እዚ ሰሜንን ንዝነበረ መሰርመር ርክብ ኣጎናዲብኩም ብዝብል ተኸሲሶም ከምዘለዉ'ውን ተፈሊጡ።

ካልእ ሳዕቤን ናይቲ ኲናት እንታይ ይመሰል?

ዛጊት ኣስታት 6000 ካብ ዞባ ውግእ ተፈናቒሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣትዮም ከምዘለዉ ሰብመዚ ምብራቓዊ ሱዳን ሓቢሮም።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣስታት 200 000 ካልኦት ናብ ሱዳን ክውሕዙ ትጽቢት ይግበር።

ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ዞባ ከሰላ፡ ኣል ሰር ካሊድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክኣትዉ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ከምዝወሰደሎም ተዛሪቡ።

ፌደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴለፎንን ኢንተርነትን ከም ዘቋረጸ ዳይረክተር ትግራይ ሜድያ ሃውስ ኣሉላ ሰለሙን ንቢቢሲ ኒውስደይ ተዛሪቡ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ እውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።