ብሰንኪ እዚ ናይ ሕጂ ኵናት 6 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተሰዲዶም

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ዛጊድ አስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ከምዝሰገሩ ሰብ መዚ ሱዳን ገሊጾም፡፡

ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ክመጹዎም ከምዝኽእሉ ብምግማት፡ እቶም ሰብ መዚ ይዳለዉ ኣለዉ፡፡

ኣብታ ሃገር ነቶም ዝውሕዙ ስደተኛታት መዕቆቢ እናተዳለወ ዘሎ ኮይኑ፡ ትካላት ረዲአት ድማ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ክውሰድ ብዝኣዘዞ ስጉምቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ኲናት ይቕጽል ኣሎ፡፡

ዛጊት ብወገን ኽልቲኦም ሓይሊታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ኲናት ሰብኣዊ ቅልውላው ከየስዕብን ናብ ሓድሕድ ኩናት ከየምርሕን ዝሰግኡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን፡ እቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ ክሃድእ ይጽውዑ'ኳ እንተሃለው፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን እዞም ስግኣታት ነባራዊ ኩነታት እታ ሃገር ካብ ዘይምግንዛብ ዝብገስ እዩ ብምባል እቲ ‘‘ሕጊ ናይ ምኽባር’’ ወፍሪ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ጸኒሖም ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ነጺግዎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ሰራዊትና ብገዛእ ወገኑ ስለዝተጠልመ፡ ሕጊ ከነኽብር ኢና ብምባል ኵናት ኣዊጁ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ እውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ሰሙኑ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኢመይል፡ ባንክን ኣቋሪጹ ኣሎ።