ኣብ ኲናት ዘሎ መራሒ ኢትዮጵያ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ድሕነትን ቀይሩ

ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ኵናት ኣትዩ ዘሎ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝነበረ ጀነራል ኣደም መሓመድ ብምልዓል፡ ምክትሉ ንዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ከምዝሾመ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ጸብጺቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ድማ፡ ሓላፊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ’ሎ።

ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተነክዩ ዝጸንሐን፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሰራዊት ዝተመለሰን ሌ/ጀነራል ኣበባው ታደሰ ድማ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ሓላፊ ድሕነት ንዝነበረ ደመላሽ ገብረሚካኤል፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኮይኑ ተሸይሙ።

መራሒ ክልል ኣምሓራ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብ’ታ ክልል ዝነበሮ ሓላፍነት ምስገደፈ፡ ኣብ ክንድኡ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ንክልል ኣምሓራ ክመርሕ ሓላፍነት ተቐቢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ገዱ ኣንዳርጋቸው’ውን ካብ ሓላፍነቱ ተላዒሉ’ሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ሓላፍነት ደሪቡ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ከምዝተሸመ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ኣደም መሓመድ ንምንታይ ከምዝተተከአ ዝተገለጸ ነገር የለን።ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ተሸይሙ።