ብሰንኪ ኲናት ኢትዮጵያ፡ 9 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበል ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ቤት ጽሕፈት መተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት-ውድብ ሕቡራት ሃገራት(OCHA) ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣስታት 9 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

እዞም ሓደጋ ምምዝባል ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ዝበሃሉ ሰባት፡ ኣብ ጥቓ ክልላውን ሃገራውን ዶባት ዝርከቡ ምዃኖም ድማ ገሊጹ።

እቲ ጎንጺ እንተደኣተጋዲዱ፡ እዞም ሰባት ንሓደጋ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ዝገለጸ እዚ ጸብጻብ፡ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ናብ ደገን መረበቶም ገዲፎም ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ናብ ክልል ትግራይ፡ ብምድሪ ኾነ ብኣየር መጓዓዝያ ብምቁራጹ፡ ከምኡ ድማ መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ይጸልዎ ምህላዉ’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ።

ኣብ’ታ ክልል፡ ዝተፈላለየ ‘ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዛት’ ዝጠልቡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከምዘለዉ እዚ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናይ መግቢ ረድኤት ዝጽበዩ፣ 100,000 ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝተመዛበሉ፣ ኣስታት 96,000 ሽሕ ስደተኛታት፡ ከምኡ ድማ ኣስታት 16,000 ካ ስደት ተመለስቲ ኣብ’ታ ክልል ከምዘለዉን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጠልቡን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የብርህ።

እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ድማ፡ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዘሎ ሸኽሚ ከጋድዶ ከምዝኽእል ይግለጽ።

እቲ ዘጋጠመ ኵናት እንታይ እዩ?

ንነዊሕ እዋን ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን፡ ናብ ኵናት ካብ ዝኣትዉ መዓልታት ተቖጺሩ’ሎ።

ኣብዚ ሰሙን ናብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለ፡ አብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ምክልኻል ሃገርን ጎንጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ቅድሚ እቲ ክስተት መንግስቲ ፈደራል ከጥቅዓና ይዳሎ ስለዘሎ ነብስና ክንከላኸልን ኵናት እንተጋጢሙ ከኣ መኪትና ክንስዕርን ተዳሊና ኣሎና ክብል ጸኒሑ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ተፈኒውዎ ዝብሃል ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ፡ ኣብ ጎኑ ከም ዝተሰለፈ ብምግላጽ፡ እቲ ኲናት ብወገን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎ’ውን መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝኣወጀ ኾይኑ፡ ብቀዳም ድማ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ኢዱ ከእቱን፡ እቲ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ፈሪሱ “ግዚያዊ ምምሕዳር ክቐውምን” ወሲኑ እዩ።

መንግተቲ ክልል ትግራይ ነዚ ውሳነ ኣመልኪቱ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ግን “ኣሸምባይዶ ክፍጸምስ ክሕሰብ እውን ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ” ክብል ነጺግዎ።

ማሕበረ ሰብ ዓለም እዚ ህይወትን ንብረትን ዘዕኑ ሓደገኛ ኵናት ብዘተን ልዝብን ንክውዳእ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።