ሰብመዚ ጸጥታ ክልል ትግራይ ንምክትል ኣዛዚ 'ሰሜን እዝ' ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መሊሶሞ

ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ 'ሰሜን እዝ' ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ምክትል ኣዛዚ ኮይኑ ክመርሕ ዝተልኣኸ ብርጋዴር ጀነራል ጀማል መሓመድ ብሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክምለስ ከምዝተገብረ ቢቢሲ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይገልፅ።

እቲ ጀነራል ሎምዓልቲ ንጉሆ እንትመፅእ: ፖሊስ ፈለማ ነታ ንዕኡ ክትቅበል ዝመፀት መኪና ጠጠው ኣቢሉ ብምምላስ: ንሱ ድማ መምለሲ ትኬት ቆሪፁ ሽዑ ንሽዑ ንኽምለስ ከምዝተገብረ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክቕበሉ ዝመፅኡ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ስለምንታይ እቲ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ዘሎ ሓቲቶም: ፖሊስ "ሕጊ ነተግብር ኣለና" ዝብል መልሲ ከምዝሃቦም ገሊፁ ኣሎ።

ብርጋዴር ጀነራል ጀማል ኣብ 'ምዕራብ እዝ' ምክትል ኣዛዚ ዝነበረ እዩ።

ነቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ 'ሰሜን እዝ' ዝነበረ መራሒ ሌተናል ጀነራል ደሪባ መኮንን ብምልዓል ሓድሽ ተተካኢ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ዋና ኣዛዚ ኮይኑ'ኳ እንተ ተመደበ፡ ዛጊድ ናብ ዝተመደበሉ ቦታ ኣይከደን።

ከምኡ እውን ኣዛዚ ስንቅን ዕጥቅን ኮይኑ ዝተመደበ ብርጋዴር ጀነራል ሰይድ ትኩየ ብተመሳሳሊ ኣብ ቦትኡ ከምዘይተረኽበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ጉዳይ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ መከላኸሊ ሃገር ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ዛጊድ ኣይሰመረን።

መንግቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ኣብ ስልጣን ዘሎ "ዘይሕጋዊ ሓይሊ" ኣብ ምውፋርን ኣወዳድባን ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ውሳነታት ክህብ ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብሉ፡ ዝኾነ ዝውሰን ውሳነ ኣብቲ ክልል ተቐባልነትን ተፈፃምነትን የብሉን እንትብል ምግላፁ ይዝከር።