ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ክሽምግል ክራይስስ ግሩፕ ጸዊዑ

መንግስቲ ትግራይ፡ ክልላዊ መረጻ ከካይድ ድሕሪ ምውሳኑ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምእታው ክራይስስ ግሩፕ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት መረጻ፡ መንግስቲ ፌዴራል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዘይወስድ እኳ እንተተዛረበ፡ ሰበስልጣን ፌደራል ካልእ ከቢድ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ይዛረቡ ስለ ዘለው እቶም ተሃላለኽቲ ወገናት ናብ ሓያል ጎንጺ ከይኣትው ስግኣቱ ክራይስስ ግሩፕ ሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል እቲ ሃገራዊ መረጻ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ክግበር ንዝሃቦ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ከም ዝተቓወሞ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ ማእከላይ መንግስቲ ካልእ ስጉምቲ እንተወሲዱ ክልል ትግራይ መሰል ምንጻል ብዘፍቅድ ዓንቀጽ 39 ክንጸል ከም ዝኽእል የልዕል።

ኣብዚ ደረጃ እንተተበጺሑ ድማ ክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝተወሰደ መሬት ኣለኒ ስለ ዝብል ናብ ዝኸፍአ ጎንጺ ከምርሕ ከም ዝኽእል ጸብጻብ ክራይስስ ግሩፕ ይገልጽ።

ስለዚ እቲ ወጥሪ ንምፍኳስ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክልላዊ መረጻ ካብ ምክያድ ህድእ ክብል፣ መንግስቲ ፌደራል ድማ ምስ መንግስቲ ትግራይ ክላዘብን መድረኽ ሃገራዊ ዝርርብ ክጽውዕን ኣተሓሳሲቡ።

እንተኾነ እቶም ተናሓናሕቲ ወገናት ናብ ዝርርብ ብምምጻእ ነቲ ወጥሪ ንምዝሓል ክልቲኦም ወገናት ዓብዪ ሽምን ጽልዋን ዘለዎም ኣህጉራዊ ኣሸማገልቲ ክጽንብሩ ከምዝግባእ እቲ ጸብጻብ የዘኻኽር።

ትግራይ መረጻ ካብ ምክያድ ዘይትምለስ እንተኾይናኸ?

ብክልስ ሓሳብ ደረጃ ኣብ ክልል ትግራይ መረጻ ተኻየደ ኣይተኻየደ፡ ኣብ ሓይሊ ሚዛን እቲ ክልል ዘምጽኦ ለውጢ የለን።

ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት እዩ። ድሕሪ መረጻን እውን ብዘለዎ ተሰማዕነት ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝኽእል ህወሓት እዩ።

ስለዚ ወጥሪ ንምዝላቕን ሰላም ንምስፋንን ክልቲኦም ሓይልታት ናይ ግድን ክዝትዩን ክማኸሩን ይግባእ ይብል ጸብጻብ እቲ ወጥርን ጎንጽን ሃገራት ዘጽንዕ ትካል።

መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብለውጢ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ጀሚሩ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት ናብ ውድብ ብልጽግና ከምዘይሕወስ ምስ ኣፍለጠ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንህወሓት የጥቅዕ ኣሎ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ዝገልጽ ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ምትፍናን ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ከምዘጋድዶ ጸብጺቡ።

በዚ ዝተጠቐሰ ምኽንያታት ይኹን ካልእ ዝኾነ ጎንጺ እንተተላዒሉ፡ እቲ ተወለድቲ ትግራይ ዝሓቖፈ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፡ ንስምረት እቲ ሰራዊት ከምዝፍትኖን ሓደገኛ ከምዝኾነን ይሕብር።

ካብዚ ብዝብገስ ጸብጻብ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኢትዮጵያ እዞም ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ናብ ኲናት ንከይኣትዉ ክሽምግሉዎም ከም ዝግባእ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ንክልቲኦም ወገናት ከስምዖም ስለ ዝኽእል ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ንዘተ ክዕድሞም ተርኡ ክጻወት ክጽዕር ከምዝግባእ እቲ ዓለማዊ ተመራማሪ ግጭታት ይሕብር።

ዕለማ እቲ ዝርርብ ድማ ትግራይ ክተካይዶ ንዘንቀደት መረጻ ንክተህደኦ ምእማን፣ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ንዘሎ ፍልልይ ኣተራጓጉማ ሕገ መንግስቲ ብምጽባብ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ሃጓፍ ንምጽባብ ጸቕጢ ንምፍጣርን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ነቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንዘይምፍታን ዝኣተዎ ቃል ከኽብሮ ዝሓበረ ክራይስስ ግሩፕ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ንሃገራዊ ዘተ ዓብዪ ጠመተ ክህብዎ ተማሕጺኑ።

ኮሮናቫይረስ ነቲ ዘይደልደለ ስግግር እታ ሃገር ተወሳኺ ሕልኽላኽ ከም ዝፈጠረሉ ዘረድእ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ መረጻ ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ዘይምርድዳእ ከምዝዓበየ፡ ብፍላይ ገለ ተቓወምቲ ክልል ኦሮምያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ እቲ መረጻ ከዘራርቦምን ንጹርን ካብ ጸቕጢ ነጻ ዝኾነ ናይ መረጻ እዋን ክህሉ ከምዝደልዩን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ መረጻ ምንውሑ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ኣከራኻሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቱ ብዝግባእ ከይተማኸረ መረጻ ክናዋሕ ምውሳኑ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ክልል ኦሮምያ ህይወት ሰባት ዝለከመ ናዕቢ ከምዘኸተለ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ኮነ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት መንግስቲ ፌደራል ዘሳትፍእ ሓቛፊ ዝኾነ መገዲ ክወስድ ንዝቕረበሉ ምሕጽንታ ገዲፉ ናብ ውሳነ ምጉያዩ ነቲ ወጥሪ ከምዘብኣሶ ክራይስስ ግሩፕ ጸብጺቡ።

ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ላዕለዎት መራሕቲ ተቓውሞ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡዎም ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ከምዝተኣስሩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብምኽንያት እዚ እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ከተማታት ኦሮሚያ ዝተርኣየ ስእነት ሰላምን ጸገም ጸጥታን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ሓደጋ ከጥሕሎ ዝኽእል "ቀይሕ መብራህቲ" እዩ ክብል እውን ገሊጹዎ።

ንሕንሕ ክልቲኦምን ሳዕቤኑን

ህወሓት መረጻ ንምክያድ ዝሓዞ ነቓጽ ኣቕዋምን መንግስቲ ፌደራል ንህወሓት ንምጉዕጻጽ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅላውላው መለሲ ከምዘብእሶ ይተቅስ።

ብዙሓት ሰብመዚ ፌደራል ነቲ ህወሓት ከካይዶ ዝሓሰበ መረጻ 'ኣካል እቲ ሃገር ንምሕማስ ዝሓዞ ተንኮል እዩ' ኢሎም ከምዝኣምኑ፤ ህወሓት ብግዲኡ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ዝግበር ክልተኣዊ ዝርርብ ብምንጻግ ሰፊሕ ሃገራዊ ምኽክር ይገበር ምባሉ፡ ከም ኣብነት ኣቐሚጥዎ ኣሎ ክራይስስ ግሩፕ።

ናይዞም ክልተ አካላት ንሕንሕ ንመጻኢ ዕድል እታ ሃገር ሓደጋ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንክልቲኦም ዘስምዕ ዝሽምግል ከም ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት መራሕትን፡ ዝኣመሰሉ ኣካላት ከምዘድልዩ እቲ ጸብጻብ የቐምጥ፡፡

ኣብ መጠቓለሊኡ መሓዙት ኢትዮጰያ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ውድብ ብልጽግና ዝኽተሎ ዘሎ ኣሃዳዊ ኣካይዳ ብምግዳፍ ሓቛፊ ብዝኾነ መገዲ ከመሓድርን፡ ህወሓት ብወገኑ ኣብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘለዎ ምፍጣጥ ገዲፉ ብስሩዕ መገዲ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሓሳቡ ከቕርብ፡ ጸቕጢ ክገብሩ ሓቲቱ።

ክራይስ ግሩፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ትግራን ዝነበረ ወጥሪ ብሰላማዊ መገዲ እንተዘይተፈቲሑ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኽትል ከምዝኽእል ኣንፊቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ይኹን'ምበር እቶም ዝመጽኡ ሽማግለታት ኢትዮጵያ ንኢድ ኣእታውነት መንግስታት ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ኣሉታዊ ኣረኣእኣያ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ንሽምግልና ዝሕረዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ በላሕቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር ኢሉ።

በዚ መሰረት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ስሪል ራማፎሳ እወንታዊ ግደ ከበርክት ከም ዝኽእል ተስፋ ከም ዝገብር ክራይስስ ግሩፕ ገሊጹ።