እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልላዊ መረጻ ትግራይ ብዓይኒ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ክልላዊ መረጻ ክተካይድ ከም ዘይትኽእል ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ብወገን መንግስቲ ትግራይ ድማ፡ ጉዳይ መረጻ ሕጋውን ዴሞክራሲያውን መሰል ስለ ዝኾነ ነቲ ምርጫ ክነካይድ ኢና ዝብል መርገጺ ተታሒዙ’ሎ።
ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ'ኸ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ፖለቲካ ህዝቢ ኦሮሞ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ "ቅድሚ ኹሉ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ይካየድ’ዶ ይሰጋገር? እንተተሰጋጊሩኸ መንግስታት ክልላትን ፌደራልን ብኸመይ ኣብ ስልጣን ይጸንሑ? ምርጫ መዓስ ይካየድ? ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ንኹሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ነይርዎ" ይብል።
መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ክገብር ድልው ከም ዘይነበረ'ዩ ጃዋር ዝዛረብ።
"መንግስቲ ፌደራል ንዘተ ድልው ኣይነበረን። እዚ ድማ ኣብቲ ብኻልእ ፓርቲ ዝመሓደር ክልል ትግራይ ካልእ መርገጺ ክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ። ክፍለጥ ዘለዎ ግን መንግስታት ክልላት ኮኑ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምርጫ ስልጣን ከም ዘለዎም’ዩ" ዝብል ጃዋር ዝኾነ ናይ ክልል መንግስቲ ኣብ ክልሉ መረጻ መዓስን ብኸመይን ክካየድ ከም ዘለዎ ክውስን ከም ዝኽእል የረድእ።
ንሱ ከም ዝበሎ እቲ ክልል መዓስን ብኸመይን ምርጫ ከካይድ ከም ዘለዎ ኣብ ውሳነ ምስ በጽሐ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ድማ የፈጽመሉ።
ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ፡ መንግስቲ ፌደራል መረጻ ኣየፈጽምን ምባሉ ከምኡ’ውን ትግራይ ናይ ባዓለይ መረጻ ባዓለይ ከፈጽም እየ ምባላ፡ ክልቲኦም ሕጋዊ መሰረት ከም ዘይብሎም እዩ ዝገልጽ።
"መንግስቲ ፌደራል ነቲ ምርጫ ከፈጽም ድልው እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ባዓሉ ብዝመረጾ መንግስቲ ክመሓደር መሰሉ’ዩ። ስለዝኾነ ልክዕ ከምቲ መንግስቲ ፌደራል ሕጋውነት ብዘይብሉ መገዲ እዋን መረጻ ከምዘናውሖ ባይቶ እቲ ክልል’ውን ካልእ መፍትሒ ብምድላይ፡ ንሕጊ ጥሒሱ ክልላዊ ምርጫ ከፈጽም ይኽእል’ዩ" ክብል ገሊጹ።
ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብወገኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ሕትኡ ናብ ቦርድ ምርጫ ዘይኮነስ ናብ ፌደራል መንግስቲ ከቕርብ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።
"መንግስቲ ትግራይ ወይ ድማ ህወሓት መረጻ ናይ ምክያድ መርገጺ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ ዝጸንሐ እዩ። ብወገን ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ክወሃብ ዝኽእል መልሲ’ውን ብዙሕ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፤ ትጽቢት ዝግበር እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ኣብዚ መስርሕ ግን ጸገም ዘሎ ይመስለኒ" ዝብል ኣቶ ልደቱ" መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ንኸፈጽመሉ ሕቱኡ ናብ ፌደራል መንግስቲ ከቕርብ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።
"ምኽንያቱ በቲ ቦርድ ምርጫ ኣቢሉ ነቲ ምርጫ ንኸካይድ ሕገ-መንግስታዊ ስልጣን ዘለዎ እቲ ፌደራል መንግስቲ እዩ። ውሳነ ክህብ ዘለዎ’ውን ፌደራል መንግስቲ’ምበር ቦርድ ምርጫ ኣይኮነን" ብምባል ድማ ኣረዲኡ።
ብሓደ ገጽ ንሃገራዊ መረጻ ብናይ ባዕሉ መገዲ ዘናውሐ ማእኸላይ መንግስትን ካልኦት ዝድግፍዎ ክልላትን፤ ብኻልእ ገጽ ከኣ ነቲ ኣካይዳ ኣይኣምነሉን ኢሉ ንክልላዊ ምርጫ ዝዳሎ መንግስቲ ምህላዉ እቲ ቅርሕንቲ ኣዝዩ ይውስኽ ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ኣቶ ልደቱ ይዛረብ።
"በቲ ዘሎ ኣካይዳ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ክልተ ሃገራት ዘምስል ኩነታት ክፍጠር ይኽእል'ዩ" ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ማለት ብልጽግናን ህወሓትን ተቐራሪብካ ዘተ ምግባር ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ዘይምርድዳእ ብዘለዎ እንተቐጺሉ ግን እቲ ጸገም ሃገራዊ መልክዕ ከም ዝሕዝን ግጭት ዝዕድም ክኸውን ከም ዝኽእልን ስግኣቱ ገሊጹ።
ጃዋር’ውን ኣብ ሞንጎ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ጉዳይ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ጸገሞም ብዘተ ክፈትሑ ከም ዝግባእ ሓቢሩ።