ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ክልተ ኣዋርሕ እኹል ድዩ?

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ መረፃ ክካየድ እዩ ኢሉ ምስ ወሰነ፡ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ፡ መስከረም ስለዘብቅዕ፡ መረፃ ብግድን ቅድሚኡ ክካየድ ኣለዎ።

ቅድሚ መስከረም ክካየድ እንድሕር ደኣ ኰይኑ፡ ነቲ መረፃ ንምክያድ ክልተ ዝተፃረዩ ኣዋርሕ ጥራይ እዮም ዝተርፉ።

እሞኸ ደኣ! ህወሓት ሰረት ኣንፂፉ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስ ምዃኑ፡ ምረፁኒ ንምባል ልዕሊ እኹል ግዜ ኣለዎ ምባል ቅኑዕ እዩ።

እቶም ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተን ትሕቲኡን ዓመታት ዝተመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከ ኣብ ውሽጢ እተን ክልተ ኣዋርሕ ኩሉ ነገር ክውግኑ ይኽእሉ ዶ?

ንሳቶም ሕዚ ቀልጢፍና ናብ ተግባር እንተኣቲና ኣይምኸፈአን ግን ከ እቲ ውሳነ ብባይቶ ካብ ዝጸድቕ ንደሓር እኳስ ውሕድ ግዜ ኣይበሃልን፤ ኰይኑ ግና ዛጊድ ዝተርኣየ ምንቅስቓስ የለን ብምባል ይጠርዑ።

መረፃ ክካየድ እንተዀይኑ ብፍላይ ድማ ምስቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ክረምቲን ተወሲኽዎ፡ ክልተ ኣዋርሕ ኣይሓፅርን ዶ? ህዝቢ መዓዝ እዩ ክምዝገብ? ወፍሪ ምረፁና መዓዝ እዩ ክጅመር? ብቐንዱ ኸ መረፃ መዓዝ እዩ ክካየድ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ብግድን ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ይግባእ።

ነዞም ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ኣብ ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ንኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ፡ ምምሕዳር ጉዳያት ሕግን ምምሕዳርን ኣይተ መጐስ ታፈረ ሓቲትና ኣለና።

እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓፂር ምዃኑን ብዙሕ ሰብ ሕቶ ከምዘልዕልን ዝገልፁ ኣይተ መጐስ "ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክውስን እንተሎ ግን፡ እቲ ዘለና ግዜ ብኣግባቡ ብምጥቃም መረፃ ብትኽክል ውፅኢታዊ ብዝዀነ መንገዲ ምክያድ ይከኣል እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እዩ በፂሑ" ኢሎም።

ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ክሳብ ሕዚ ጐና ጎኒ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑን ድሕሪ'ቲ ውሳነ እውን ይስራሕ ከምዘሎን እዮም ዝዛረቡ።

"ኣብ ቀረባ መዓልታት ዓመታዊ ጉባኤ ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቦም ዝፀድቁ ኣዋጃት፣ ኣሰራርሓታት፣ ካልኦት ዝጣየሹ ትካላትን ዝኣመሰሉን ቀሪቦም ክጸድቁ ትፅቢት ይግበር። ስለ'ዚ ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ስራሕቲ ስለዝተሰርሑ፡ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ኣብቲ ዝቕፅል ግዜ ዝግባእ ናይ ባዕሎም ክፍለ ግዜ ወፂኡሎም፡ ኩሎም ስራሕቲ ብኣግባቡ ክውገኑ ብምግባር ዕዉት መረፃ ምክያድ ይከኣል እዩ" ብምባል ወሲኾም ገሊፆም።

መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሳልሳይ ወያነ፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ውድብ ናፅነት ትግራይን፡ ሕድሕድ መዓልቲ ዓባይ ዋጋ ስለዘለዋ ቅልጥፍ ኢልካ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዝግበኦ ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ሓቢሮም እዮም።

"ብስሩ እውን ብጭቡጥ ዝረአ ምስንዳእ መረፃ ኣይረአናን" እንትብሉ ድማ ነቒፎም እዮም።

ኣይተ መጐስ "ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ውድባት ዘልዕልዎም ዘለዉ ሕቶታት ልክዕ እዩ። ኣብ ትግራይ ድማ እቶም ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ እናተሰርሑ ስለዝፀንሑ ሕዚ ዝተርፍ እቶም ዝተሰናድኡ ሕጋዊ ስነዳት መልክዕ ሒዞም ምውፃእ ጥራይ እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ውሕዳት መዓልታት ዝፍፀም ጉዳይ እዩ" ብምባል ሕዚ እውን ነቲ ዝተረፈ ሓፂር ግዜ ብኣግባቡ ንምጥቃም ይፀዓር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ "ርእሱ ዝኸኣለ ነቲ መረፃ ዘካይድ ናፃ ትካል ከምዝምስረትን ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብማዕረ ዘገልግል ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ስለዝኸይድን እቶም ውድባት ዘልዕልዎም ዘለዉ ሕቶታት ብምርድዳእ ክፍትሑ እዮም" ኢሎም ኣይተ መጐስ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ውድባት ተቓውሞ ዘተ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

መዓልቲ መረፃ ብንፁር ይፍለጥ ዶ?

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ 25 ሰነ ክሳብ 1 ሓምለ ክእከብ እዩ። ኣብቲ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ረቒቕ ኣዋጃትን ኣሰራርሓን መረጻ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።

"እቲ ነቲ መረፃ ዘፈፅም ሕጋዊ ትካል ምስተጣየሸ፡ እቲ ባዕሉ ዝሰርሖም ባዕሉ ክሰርሖም እዩ፤ ምስቶም ኣብቲ መረፃ ዝሳተፉ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ብምዃን ዝስርሑ ድማ ብሓባር ክሰርሕዎም እዮም።

ስለ'ዚ እቲ ንፁርን ዝርዝርን ግዜ ሰሌዳ ሽዑ ዝውሰን እዩ ክኸውን" ብምባል መዓልቲ መረፃ መዓዝ ከምዝካየድ ካብ ምዝራብ ተዓቂቦም።

ርግጽ፡ ቅድም ክብል ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እቲ ሃገራዊ መረጻ ንኽካየድ ተሊምዎ ዝነበረ መዓልቲ ነሓሰ 29 እንትኸውን፡ መንግስቲ ትግራይ በዚ ትልሚ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ኣባላት ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዝርከብሉ ኣብ ከይዲን ኣሰራርሓን እቲ መረፃ፣ ኣብቲ ነቲ መረፃ ዝመርሕ ዝጣየሽ ሓድሽ ትካልን ስነ ምግባር መረፃን ኣመልኪቱ ዘተ ከምዝካየድ ምግላፅና ይዝከር።