እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዓፈና' መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ትግራይ ክሳብ መዓስ?
- Author, ላየን ፅጋብ
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
ጋዜጠኛ ተወልደ ገብሩ፡ ኩነታት ናጽነት ሚዲያ ትግራይ እዚ እዋን፡ ኣዐርዩ ካብ ዘስግኦም ጋዜጠኛታት እዩ።
ዝኾነ ይኹን ጋዜጠኛ እቲ ክልል ርእሱ ኣድኒኑ ዝሰርሕ፡ ንመሰሉ ዘይሕለቕን ካብ ዝተፈላለዩ ጎናዊ ጸቕጢታት ዘይተናገፈን ምዃኑ'ዩ ዝኣምን።
"ንእሽተይ ጸገም ህዝቢ ክንሰርሕ እንተይልና፡ እናተደወለ ዝበጽሐና ምፍርራሕ ማእለያ የብሉን። ድሕሪ ሕዚ ግን፡ ሕሊናይ ዘይኣመነሉ ስራሕ ካብ ዝሰርሕ ዋላ ጫማ ጸሪገ ንብላዕ ኢለ'የ። ቋሕ ኢለን ዝርእያ ኣዒንቲ'ኮ ጾመን ኣይሓድራን" ይብል።
እዚ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ፡ ነዚ ኹሉ ሞራላዊ ክሳራ ዘሳጠሖ ሓደ ነገር፡ ፈነወ እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዙርያ ኣብቲ ክልል ዘለው ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝሰርሖ ሰነዳዊ ምድላው፡ ከምቲ ዝተሓሰቦ ግዘን ኣገባብን ዘይምኻዱን፡ ምድላው "ተዓፊኑ" ኢሉ ብምዝራቡን እዩ።
እቲ ኣብ ሸራሮ ንዝርከብ ሆስፒታል ማያሚ ዝጠመተ ምድላው፡ ብመሰረት እቲ ጣቢያ ቴሌቪዥን ዝሓዘሉ ግዘ ክፍኖ እንከሎ፡ እቲ 'ሰንፈላል ሆስፒታል ዓድዋ' ዝብል ርእሲ ዝተዋህቦ ቀጻሊ ትሕዝቶ ግን፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ከም ዝቐርብ ተገሊጹ፤ መወዓውዒ'ውን ተሰሪሕሉ።
ድሕሪ'ዚ፡ ዳርጋ ንክልተ ወርሒ ኣብዚ ኣተወ ከይተባህለ ከይተመሓላለፈ ይተርፍ።
ኣብቲ ንሆስፒታል ዓድዋ ዝጥምት ትሕዝቶ፡ ምስ ጥቕማ ጥቕሚ ብዝተኣሳሰር ክልተ ዶኳትር ካብ መዓልታዊ ስረሖም ብምብኳሮም፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዘጋጠመ ሞት ሽድሽተ ህፃናትን ካልአት ጸገማትን እቲ ሆስፒታል ዘቃልዕ ነይሩ።
ጋዜጠኛ ተወልደ፡ መተሓባበሪ ክፍሊ መዋልዳን እቲ ሆስፒታል፡ ሞት እዞም ሽዱሽተ ህጻናት ተኣሚኑ፤ ቦርድ ናይቲ ሆስፒታል ብወገኑ ነቶም ዶካትር ቀጺዕዎም'ዩ ይብል።
"ርእይቶ ናይቶም ዘብኮሩ ይካተት ስለ ዝተብሃለ፡ ንክልቲኦም መብርሂ ክህቡኒ ሓቲተ፤ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እቲ ዝሃቡኒ መልሲ ከኣ ስሞም እንከየቃላዕና ኣብቲ መደብ ኣካቲትናዮ። ግን ኣይተፈነወን - እቲ ዝኸልከለ ኣካል መን ከም ዝኾነ ክሳብ ሕዚ ሕቶ ኣለኒ። ድምፂ ወያነ ከምዘይዓፈኖ ግና ርግፀኛ እየ" ይብል ተወልደ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዝተሰርሐ መደብ ናበይ ኣተወ? ዝብሉ ጎስጓሳት በርቲዖም።
ጋዜጠኛ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ሕሉፍ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ጋዜጠኛ ልሳን ህዝቢ፣ ጁባ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ትፅቢት ዝግበር'ኳ እንተኾነ ጋዜጠኛታት ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ሕቶ ህዝቢ ማእኸል ገይሮም፣ ንዝምልከቶም ኣካላት ወጢሮም ሓቲቶም፡ ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣብ ጫፍ ከብፅሑ ዝገብር ባይታ ግን የለን ይብል።
"መብዛሕትኡ ግዘ ጋዜጠኛታት ዳርጋ መንግስቲ እንታይ በለ'ዮም ዝብሉ። ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ፍፃመ ጥራሕ ክሽከሉ ብምግባር፡ ነቐፍቲ ምድላዋት ከይሓስቡ፡ ኣንዊሕካ ምእሳር ኣሎ። ኣብ መንግስትን ውድብን ናይ ምትሕውዋስ ባህርያት ስለ ዘሎ፡ እቶም ሓለፍቲ ሚዲያ'ውን ንላዕሊ ዘሎ ኣካል'ዮም ዝፈርሑ" ብምባል ነቲ ጸገም የብርህ።
"ስልታዊ ምመያ"
ኣብ 1987 ዓ.ም ኣብ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 29፡ ምመያ (ሰንሰርሽፕ) ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክልኩል ምዃኑ ኣቐሚጡ'ዩ።
በዚ መሰረት፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ስራሕ ነፃነተን ተሓልዩ፡ ዝተፈላለዩ ርኢቶታትን ሓሳባትን ብነጻነት ከተኣናግዳ፤ ናይ ሕጊ ሓለዋ ክግበረለን፣ ብገንዘብ መንግስቲ ወይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ንኹሉ ሓሳባትን ርእይቶን ከአንግዳ ዝብል ይርከቦ።
እንተኾነ፡ ሕዚ'ውን ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን እታ ሃገር፡ "ስልታዊ ምመያን ግሁድ ዓፈናን" የጋጥሞም ኣሎ።
ንኣብነት፡ ጋዜጣን መፅሄትን ወጋሕታ፣ ኖላዊት፣ ስኒት፣ መሓል፣ ዛየን፣ ህዝባዊት፣ ኣደዳ፣ ባሎኒ፣ሪሓን፣ ደሃይ፣ ሕድያት፣ ጥሕሎን ሰርጌንን ካብተን ድምፂ ህዝቢ ከስምዓ ተጣይሸን ቀልጢፈን ዝለመሳ እየን።
ጋዜጠኛ ዮናስ በላይ፡ ኣሰናዳኢ ናይታ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣድሂባ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዘ፡ ትሕተም ዝነበረት መፅሄት ጥሕሎ ነይሩ።
መንግስቲ ብገበን ግብረ-ራዕዲ ስለ ዝኸሰሶ ግን ድሕሪ 15 ሕታማት ነታ መፅሄት ጠጠው ከብላ ከም ዝተገደደ ይገልፅ።
''ኣብ ኣዲስ ዘመን፡ 'የበግ ለምድ የለበሱ ተኩላዎች' ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ደበበ እሸቱን እስክንድር ነጋን፡ ከም ሳልሳይ ኣሸባሪ ሽመይ ምስ ተጠቕሰ፡ ኣብ ክልል ምምሕዳር ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ክሲ ክምስረተለይ፡ ሰነድ ይተኣኻኸብ ከም ዘሎን ምስ ሓበሩኒ ጠጠው ከብል ተገዲደ'' ይብል።
ብድሕሪኡ፡ ከም ጋዜጠኛ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ምስራሕ ድልየቱ ከም ዝተኾለፈ ይገልጽ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እተን ሚዲያታት ኣገልገልቲ እቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስትን ውድብን ኮይነን ፀኒሐንን፤ ኣለዋን።
ፖለቲካዊ ባህልን ኣመራርሓን ትግራይ'ውን፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈለየ ሓሳብ ከተኣናግዳ ዝፃወር እንግድዓ ኣይነበሮን፡ ኣይለመዶን'ውን።
መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ዋላ'ኳ ነናይ ባዕለን ኢዲቶርያል ፖሊሲ እንተሃለወን፡ ብስም ልምዓታዊ ጋዜጠኝነትን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ብሉፅ ተሞክሮ ጥራሕ ከድህቡን፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ክድግፉን ከም ዝግበር፡ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
"እቲ ጋዜጠኛ ባዕሉ ሓሳብ ኣምፂኡ ክሰርሕ እናተገብኦ፡ ናብ ቢሮታት'ዩ ዝለኣኽ። ንሶም ብዝደልይዎ፡ ንባዕሎም ኣብ ስልጣኖም ዘፅንሕ ፅቡቕ ተሞክሮ ክኸውን ዝብልዎ ድማ ይሰራሕ ይብሉኻ፡ ትሰርሕ" ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ እዚ እቲ ጋዜጠኛ ብዓቕሚ ክመውት'ዩ ዝገብሮ ይብል።
ካብ ተሞኩርኡ ብዝብገስ፡ ጋዜጠኛታት ጥንክር ዝበሉ መደባት እንትሕዙ፡ ምንጪ እቲ ፀገም ምስ ሰብመዚ ስለ ዝተሓሓዝ እዚ ንዘይምቅላዕ፡ እቲ መደብ ንዝጀመረ ብምእላይ፡ ኣብ ሞንጎ ብካልእ ዝለሳለስ ጋዜጠኛ ክትካእ ከም ዝግበር ይዛረብ።
እቲ ንሱ ዘዳለዎን ከይተመሓላለፈ ተሪፉ ዝነበረን መደብ'ውን፡ ብጎስጓስ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ'ኳ እንተተፈነወ፡ ዝምልከቶ ኣካል ግን ብካልእ ጋዜጠኛ ክሕተት ከም ዝተገበረ ብምሕባር፡ እዚ ንሞራሉ ዝተንከፈ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከም ዝሓለፈ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ጋዜጠኛ ሕሉፍ ድማ፡ እቲ መሰረታዊ ፀገም፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝወሃብ ክብሪ ትሑት ብምዃኑን ጋዜጠኛ ብመንግስቲ ዝወረደ ኣንፈት ጥራሕ ስለ ዝሰርሕን እዩ ብምባል፡ በዚ ምኽንያት፡ ሚዲያ ናይ ርክብ ህዝቢ ስራሕቲ ክሰርሕ ብምግዳድ፡ እቲ ሚዲያ ናብ ጸቕጢ ክኣቱ ይገብሮ ምህላው ይገልጽ።
"ሚድያ፡ ሓቅታት እዩ ዝፍሕር፤ እቲ ሚዲያ፡ ዘለው ጸገማትን ጽቡቓት ጎኒ እንድሕር ዘየለሊ ኮይኑ፡ ሃለዋቱ ዋጋ የብሉን። ጋዜጠኛታት'ውን ክንድዚ ዓመት ኣብ ጋዜጠኝነት ኣገልጊለ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ህዝባዊ ጋዜጠኛ ኮይኖም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ኢሉ።
ምሁር ጋዜጠኝነትን ኮምዩኒኬሽንን ዩኒቨርሲቲ መቐለ መብራህተን ገብረማርያም፡ ምመያ (ሰንሰርሽፕ) ዋላ'ኳ ብወግዒ ተሪፉ እዩ እንተተብሃለ፡ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ግን ጥበብን ብልሓትን ዝተሓወሶ ስልታዊ ምመያ ከም ዘሎ የብርህ።
"እተን ሚድያታት፡ ብዝኾነ ተኣምር ነጻነት ንክህልወን ዘፍቅድ ጥጡሕ ባይታ የብለንን። ንባዕለን'ውን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዘለዋ ስራሕ ኣካየድቲ ባዕሎም ዝዛረብዎ እዩ" ይብል።
ጋዜጠኛታት ኣባል ሓደ ውድብ ናይ ምዃን መሰል ዋላ'ኳ እንተሃለዎም፡ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝሰርሑ ግን፡ ኣባል እቲ ገዛኢ ውድብ ንክኾኑ ጸቕጢ ከም ዝሓድሮም ይገልጹ።
እዚ ድማ ጋዜጠኛታት ኣብ ዕለታዊ ስርሖም ካብቲ ናይቲ ውድብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ንከይወፅኡ ዝገብር እንትኸውን፡ ሓንሳብ ኣባል ዝኾኑ ጋዜጠኛታት'ውን ካብ ኣባልነቶም ከይወፅኡ ከምዝቕየዱ ስሞም ክፅራሕ ዘይደልዩ ጋዜጠኛታት ይዛረቡ።
በዚ ምኽንያት፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘለዎም ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ክንዲ ሓሳቦም ዘካፍልሉ መድረኽ ምፍጣር፡ ክቆናጸቡን ክጽለሙን ዝገብሩ ሓሳባት ከሰጉሙ ይስትውዓል።
እቲ "ዓፋኒ ኣካል" መን'ዩ?
መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል፡ ተጸዋዕነተን ንባይቶ ትግራይ ኮይኑ፡ ካብ መዓልታዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጺአን ሽኻለን ህዝቢ ገይረን ክሰርሓ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ፡ ጸገማት ህዝቢ ዘቃልዑ ምድላዋትን ዜናታትን እንትፈርዩ ከይመሓላለፉ ክሕነቑ ከለው፡ ናጽነት ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ድኣ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ነናሻዕ ይለዓል።
ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ቀይዱ ዝሓዘ ኣካል መን እዩ? ዝብል ንብዙሓት ግሁድ ስለ ዘይኮነ፡ ንመብዛሕትኡ በዓል ሞያ፡ 'ካብ ላዕሊ ዝመፅአ ትእዛዝ' ካብ ዝብል ወፃኢ፡ ብመን ዝብል ሕንቅል ሕንቅሊተይ እዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ዘየለ ብ'ሚድያ ኮሚቴ' ዝበሃል ከም ዝዝወር ይገልጽ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ትካል 'ዝድለ ለውጢ ኣየምፃእካን' ብዝብል፡ ብሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ዝተኣለየ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ፡ 'ሚዲያ ኮሚቴ' ተባሂሉ ንዝጽዋዕ፡ ስራሕቲ እተን ሚዲያታት ዝቆጻጸር ኣካል ናይ ምፍላጥ ዕድል ነይሩዎ።
"እዚ ሚድያ ኮሚቴ፡ ናይ ህዝቢ ድምፂ ንክዕፈንን እቲ ሚዲያ ናይ ውሑዳት ድሌት ጥራሕ ብዝሕሉ ኣገባብ ንክምራሕን ብቆረፃ ተመስሪቱ። ነዚ ኣእቱ፤ ነዚ ኣውፅእ እናበለ፡ ድማ ኣብ ዕለታዊ ስራሕቲ ሚድያ እንከይተረፈ ኢዱ የእቱ" ክብል ይኸሶ።
መምህር መብራህተን ብወገኑ፡ እተን ትካላት ዝምርሓሉ ኢዲቶርያል ፖሊሲ ኣቐሚጥካ ክተብቅዕ፡ ብጎኒ ምእኹል ዝኾነ ሚድያ ኮሚቴ ኢልካ ማዕገትቲ ምቕማጥ፡ ናይ ሓሳብ ብዝሃነት ንከይህሉን እቲ ናይ ምመያ 'ሰንሰርሽፕ' ስራሕቲ ንምስራሕን እዩ ይብሎ።
"እቲ ጋዜጠኛ ዘይሻራዊ ኮይኑ ከይኸይድን እቲ ኣካያዲ ስራሕ'ውን ብነፃነት ከይሰርሕን ዝድርት እዩ" ዝብል መምህር መብራህተን፡ "እዚ ኢ-ሕጋዊ ሚድያ ኮሚቴ፡ ኣብ ታሪኽ ሚድያ ትግራይ ዓብይ በሰላ ክገድፍ ይኽእል'ዩ" ዝብል ስግኣት ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ናይ 04 ክፍሊ ፖለቲካ ኮር መሪሕነት ብምንባረን ሕዚ'ውን እቲ ሌጋሲ ብፖለቲካን ስርዓት ሚዲያን ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።
ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሊያ ካሳ ግና፡ ህላወ እዚ ሚድያ ኮሚቴ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ዕለታዊ መደባት ይኣቱ ዝብል ትነጽጎ።
"ኣብ ዓለም፡ ንሚድያታት ፋሉል ዝሰደደ ስርዓት የለን። ናይ ሚዲያ ነጻነት ብዝብል፡ ሚድያ ኣይውግንን ይበሃል'ዩ። እዚ ትኽክል ኣይኮነን፤ ሚድያታት ነቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ ኣካል ወይ ስርዓት እየን ዝውግና" ኢላ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ሚድያ ኮሚቴ ዝብሃል ካብ ፖሊሲን ስትራተጂን ተበጊሱ ኣንፈት ጥራሕ'ዩ ዘቐምጥ ብምባል፡ "እቲ መዓልታዊ እዚ የሕልፍ እዚ ኣይተሕልፍ ዝበሃል ግና፡ ሓሶት እዩ" ክትብል ነቲ ዝቐርበሉ ክሲታት ትነጽጎ።
ህወሓትን ሚድያን እንታይ ኣራኸቦም?
ኣብ እዋን ቃልሲ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ 04 ክፍሊ ፖለቲካ ተወዚዑ ስለ ዝነበረ፡ ዜናታት ብከም በዓል መለስ ዜናዊ፣ ተወልደን ኣባይ ፀሃየን ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተጻሒፎም ናብ ጋዜጠኛታት ይለኣኹ ነይሮም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ግደ ጋዜጠኛታት ናይ ምቕራብ ጥራሕ ክኸውን ገይሩዎ'ዩ ዝብል መምህር መብራህተን፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጋዜጠኝነት'ውን፡ "ሕሙም" ክኸውንን፡ ትሕዝቶታት 'ፓርቲዛን' (ንሓደ ውድብ ዝወገኑ) ክኾኑ ከም ዝገበሮን የብርህ።
"እቲ ዓብይ ሓደጋ፡ 'ወረዳ ቤት-ፅሕፈት ህወሓትን ሚድያን' ዝበሃል መሓውር ኣሎ። ናይ ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ዘሎ ሰራሕተኛ ብምሉኡ፡ መዋቕሩ ምስ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ስለዝኾነ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ብደረጃ መሓውር፡ ምስ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ዝተቖለፋ'የን" ኢሉ።
ኣብቲ ክልል፡ መንግስትን ውድብን ዝተሓዋወሰን ዓርሞ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ዓብይ ፀገም ከምዝኾነን ዘብርህ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ድማ፡ "ሚድያታት ናህታቶም ሓሻክር እየን ነይረን። ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ይከበር ኣብ ዝብለሉ፡ ንሕገ-መንግስቲ ዝጥሕስ ተግባር ግን ይፍጸም። ኣብ ሕገ-መንግስትን ኣዋጅን ዘየለ፡ ንመሰላት ሚዲያ ዝኸትርን ዝዕፍን ሚድያ ኮሚቴ ተሰይሙ" ይብል ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተደንገገ ጥራሕ ኣይኮነን ክንዘራረብ ዝግባእ ዝብል ቅዋም ዘለዋ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ግና፡ "ኣብ ናይ ውግንና ግዘ ስለ ዘለና ሚድያታት ክውግና ግድን እዩ" ትብል።
"ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ፡ ኣብ መኸተ እዋን ከም ዘለና ተፈሊጡ፡ እተን ሚድያታት ነዚ ዝምጥን ስራሕ እንተዘይሰሪሐን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንነቱ ዝበፅሖ ተፃብኦን ሓደጋን ምርዳእ የድልይ" ኢላ ትኣምን።
ኣባላት ሚዲያ ኮሚቴ እንመን'ዮም?
- ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ
- ምክትል ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት
- ሓላፊ በዓል-መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ዘርኣይ ኣስገዶም
- ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ነቲ ሚድያ ኮሚቴ ትመርሖ (ቅድም ክብል ብኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ይምራሕ ነይሩ)
ሱቕታ ንምንታይ?
መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ነፃ እንተኾይነን ንሕድሕድ ስርሑን ተልእኽኡን ዘይፍፅም ኣካል ስለዝቆጻጸርኦን፡ ሕጊ ኣብ ምጥሓስ ንዝተዋፈሩ ኣካላት ስለ ዝቃልዑን፡ እዚ ከይኸውን እቲ ሚድያ ክዕፈን ተገይሩ ይብል፡ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ።
ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛን ጸቕጢ እንትበጽሕ ድማ፡ ማሕበር ጋዜጠኛታት እቲ ክልል ክጣበቐሎም ምተገብአ ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ "ንድምፂ ህዝቢ ዝሕለቑ እንተኾይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ዝፍፀም ዘሎ ዓፈና ምተዛረቡ ነይሮም" ይብል።
ንምዃኑ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ዝግበር ዓፈና ንምፍታሕ እንታይ ሰሪሑ ክንብል፡ ንኣቦወንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ፀጋው ታደሰ ሓቲትናዮ።
እቲ ማሕበር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ቅድሚኡ ሕጋዊ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ'ውን ዝቐረበሎም ጥርዓን ከም ዘየለ ይገልፅ።
ይኹን'ምበር እቲ ማሕበር፡ ጋዜጠኛታት ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝተኣሰርሉ ግዘ፡ ነቲ ተግባር ብምኹናን መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር።
ካብዚ ብምጋስ፡ ጥርዓን ክቐርበልኩም ናይ ግድን ድዩ? ንዝብል ሕቶና እንትምልስ፡ "ፈለማ እቲ ማሕበር ክጣየሽ ከሎ፡ ዋላ እኳ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይሃልዎ፡ ድምፁ ከስምዕ ጸቕጢ ይግበር ነይሩ። ስለዚ ንሕና'ውን ጎና ጎኒ እዚ ማሕበር ከም ዝተጣየሸ ንምልላይ ብዝብል ሓበሬታታት ንህብ ነይርና።
. . . ድሕሪኡ ግን፡ ሕጋዊ ማሕተም ከይረኸብና ክንቕጽል ስለ ዘይንኽእል፡ ነዚ ክሳብ ንውድእ ሕዚ እንብሎ ነገር ኣይህልውን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ምዕፋን ሚዲያታት ብሓደ ግዘ ክፍታሕ እዩ ኢልና፡ ሃፂፅና እንገብሮ ነገር ኣይህሉን" ዝብል መልሲ ሂቡና።
እቲ ማሕበር ኣብቲ ክልል ዘሎ ዓፈና መራኸብቲ ሓፋሽ ከም ዝርደኦ ዝገለፀ ጋዜጠኛ ፀጋው፡ እቲ ሚድያ ኮሚቴ መንግስታዊ ትካል ኮይኑ ክመርሕ ኣይግባእን ዝብል እምነት ከም ዘለዎን፡ እቲ ማሕበር ምስ ጠንከረ ምስ ኣመራርሓ መንግስትን ናይ ሚድያ ኣመራርሓን ብምዝታይ ነቲ ዓጋቲ ኣሰራርሓ ብምዝታይ ክቕየር ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።
እንታይ ይገበር?
ይኹን'ምበር፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ነቲ ጋዜጠኛ ውሕስነት ዝህብ ብዘይምዃኑ፡ "ንሕና በታ ዘላትና ሞያ ንሕብረተሰብና ዋላ ክንስዋእ ኢና ኢልና'ምበር፡ ከብድኻ እናሓኸኽካ ዝስራሕ ስራሕ'ኸ እንታይ ስራሕ ኮይኑ'ዩ" ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ መንግስቲ ፍታሕ ክገብረሉ ተላብዩ።
ሚድያ፡ ስልጣን ናይ ዝተቖፃፀረ ኣካል መሳርሒ ዘይኮነስ፡ መግለጺ ምዕባለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት'ዩ ዝብል ኣይተ ብርሃኑ ድማ፡ ድምፂ ህዝቢ እንትዕፈንን መሰል ህዝቢ እንትጠሓስን ግን፡ ባይቶ እቲ ክልልን ህዝባዊ ውዳበታትን ጠንኪሮም ክቃለሱ ይግባእ ይብል።
"ቅድሚ ኩሉ ኣብቲ ሕገ-መንግስትን ኣብቲ ኢዲቶርያል ፖሊሲን ዝሰፈረ ነፃነት ናብ መሬት ወሪዱ ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ። እዚ እንተዘይተፈፂሙ ግና፡ ኣብ ትግራይ ምዕቡል፣ ስልጡን፣ ሞያዊ፣ ጥበባዊ ዝበሃል ሚድያ ክህሉ ሕልሚ እዩ" ኢሉ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ትግራይ ዝፍፀም ዓፈና፡ መዓዝ ከም ዘብቅዕ ኣይፍለጥን።
እዚ መደብ ናብ ሕትመት ክሳብ ዝበቕዐሉ ግዘ፡ መንግስትን ውድብን እቲ ክልል ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ርሱን ውጥጥ ብምህላዉ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ፡ ትኹረተን ነዚ ንምምካት ክገብራን ነቲ ክልልን ውድብን ዘቃልዕ ናይ ምርመራ ስራሕቲ ከይስርሑን፡ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣንፈት ከም ዝወረደ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ፡ ኣብ ሞንጎ ውድባት ህወሓትን ብልፅግናን ዘሎ ኣፈላላይ ጉዳይ ስርዓትን መስመርን'ምበር፡ ናይ ፌደራልን መንግስትን ትግራይን ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ ከም ዘይግባእን "ኣብ ሞንጎ ሕገ-መንግስቲ ነኽብርን፡ ሕገ-መንግስቲ ኣይነኽብርን ዝብል ኣካልን ዘሎ ኣፈላላይ" እዩ ኢላ።
"ብፌደራል መንግስቲ ዝምርሑ ሚድያታት፡ ትግራይ ማእኸል ዕግርግርን ግጭትን ከም ዝኾነት ኣምሲሎም ዝተፈላለዩ ፀለመታት ይሰርሑ ነይሮም። እዚ ንምልሶ ድማ እቲ ትኽከለኛ ኣብ ባይታ ዘሎ ብሚድያታትና ብምጉላህን ብዝተፈላለዩ መግለፅታትን'ዩ። ነዚኣ ንምሽፋን ኢልና ግን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ክንሓብእ ኣለና ጠጠው ይበል ዝበለ ኣካል የለን፤ ጠጠው ክብል'ውን ኣይኽእልን" ዝብል ምላሽ ሂባትና።