ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥርን ኵናትን ብዝቐልጠፈ ክዓርፍ ኣለዎ”

ናብ ሮቡዕ 04 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለን ክልል ትግራይን ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱ።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ "ሰሜን እዝ ብከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ሓደጋ ኣጋጢሙዎ" ብማለት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስድ ኣዚዙ።

ቅድሚ እቲ ፍጻሜ ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን "መንግስቲ ፈደራል ከጥቅዓና ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ። ንሕና ከኣ ነብስና ክንከላኸልን መኪትና ክንስዕርን ተዳሊና ኣሎና" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝተኸስተሉ መዓልቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኩናት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ንዝርዝራቱ ዝምልከት ግን ዛጊት ዝተሓበረ የሎን።

ማሕበረ ሰብ ዓለም እንታይ ኢሉ?

ዋና ጻሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ክኣትው ጸዊዑ።

ክራይስስ ግሩፕን ሕብረት ኤውሮጳን እውን እቲ ወጥሪ ምስ ከረረ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ጻውዒት ገይሮም።

ሕብረት ኣፍረቃ እውን እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይዓረገ ዝምልከቶም ወገናት ብቕልጡፍ ክላዘቡ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኣውስትርያ'ውን እቲ ጎንጺ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይማዕበለ ክልቲኦም ወገናት ተላዚቦም ፍልልያቶም ክፈትሑ፡ ንኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ አገዳሲ ምዃኑ ተላብዩ። መንግስቲ ጀርመን እውን መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብዝቐልጠፈ ተዅሲ ደው ብምባል ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጸውዖ እማመ ክኽተሉዎ ጸዊዑ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ንጉዳያት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ ካብ ሓያሎ ሰልፍታት ዝተኣከቡ፡ ኣባላት ፓርላማን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን ዝነጥፉ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥርን ኵናትን ንኤርትራን እቲ ከባብን ክጸልዎ ስለዝኽእል፡ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጎንጺ ብዝቐልጠፈ ንኪዓርፍ ክጽዕር ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ልኢኾም።

እቲ፡ ትግራይ፡ ካብ ፈዴራል መንግስቲ ኢትዩጵያን መንግስቲ ኤርትራን ስግኣት ከምዘለዋ ዝጠቅስ ደብዳበ፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይዓረገ፡ ልዝብ ንኽፍጠር ፖለቲካዊ ደገፉ ከበርክት ይሓትት።

እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ ዝተባህለ ጉጅለ ፖለቲካውያን ኣባላት ባይቶ፡ "ትግራይ ብሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ እንተተፈልያ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ነታ ሓዳሽ ሃገር ትግራይ ኣፍልጦ ክህባ ንጽውዕ" ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ።

ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣውጺኡ ኣይፈልጥን እዩ።

ኵናት እንተቐጺሉ፡ ሞትን ዕንወትን ክስዕብን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከጋጥሞ ስለዝኽእል ብዝቐልጠፈ ብፖለተካዊ ዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝጽውዑ ሓይልታት ብዙሓት እዮም።

ናብ ሮቡዕ 04 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለን ክልል ትግራይን ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱ። ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ከኽብሩ መምርሒ ሂቡ።

ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኩናት ይካየድ ከምዘሎ ክልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ዝርዝር መግለጺ ግን ኣይሃቡን። ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩናት ከኣ ደላይ ሰላም ሕብረተሰብ ዓለም ክልቲኦም ወገናት ብዝቐልጠፈ ናብ መኣዲ ዘተ ክምጽኡ ይጽውዑ ኣለው።

እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ ዝበሃል መን እዩ?

ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (An all-party parliamentary group - APPG) ብዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣባላት ባይቶ ሃውስ ኦፍ ኮመንስን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን ዝቖመ ጸግዕን ወገንን ከይሓዘ ንፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዘጋጥም ነገራት ዘረድኡን ነቲ ብደሆታት ዝገጥም ፖሊሲ ንክወጽእ ዝደፍኡን ዝጸልውን ምኩራት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያ እዮም።

እዞም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ፖርቲ ዘየለዉ ኣገልግሎቶም ዝፈጸሙ ካብ ንጡፍ ስራሕ ዝተኣልዩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ ዝውደብ ኣኼባኦም ንግዱሳት መሻርኽትን ምኒስተራት ጸዊዐም ድምጾም ክህቡን ኣብ ኣገዳሲ ነገር ምጽራይ ንኽግበር ዝጸልውን ፖለቲከኛታት እዮም።

እቲ ነታ ደብዳበ ዝዘርገሐ ኤርትርያ ፎካስ'ከ መን እዩ?

ኤርትራ ፎካስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘሻቐሎም ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ዘቖምዎ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዘይመንግስታዊ ማሕበር ምዃኑን፤ እቲ ሕብረት ንኹሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ንካልኦት፡ ብመሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ፡ ብስእነት ልዕልና ሕግን ተግባራት ምልክን ዝሻቐሉ፡ ፈተውትን አዕሩኽን ህዝቢ ኤርትራ ወጻእተኛታት ግዱሳትን እውን ዝሓቁፍ ምዃኑ ወግዓዊ ገጽ እቲ ትካል ይሕብር።

ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ከኣ እቲ ማሕበር፡ ብወለንታውያን ኣባላቱ ከም ዝምወልን ብምግላጽ፡ "ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምቅላዕ እቲ ግህሰት ንክእረምን ፈጸምቲ ግህሰት ክሕተቱን ንጽውዕን ንሰርሕን" ክብል ዕላማ ማሕበሮም ይገልጽ።

ኤርትራን ፎኳስ ምስ ከም ፍሪዶም ዩናይትድ ዝተባህለ፡ ኣንጻር ዘበናዊ ጊላነት ዝቃለስ ዝዓበየ ዓለማዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሳለት ማሕበር፡ ምስ ከም ማይኒን ዎች ካናዳ፡ ለንደን ማይኒን ዎች፡ ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ዝርከብ ማሕበር ጠበቓታት፡ ካልኦትን ብምትሕብባር ኣብ ኤርትራን ስደትን ንዘጋጥም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝጣበቑ ኣቶ ሃብተ ይገልጽ።

ነቲ ናብ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጻሕፈት ደብዳበ ብዝምልከት ከኣ፡ "ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ መዋእል ግዳይ ኩናትን ሳዕቤን ኩናትን ኮይኑ ንነዊሕ ስለዝተሃስየ፡ እዚ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክዓርፍን ኩሉ ደላይ ሰላም ዘበለ ክዋስኣሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ" ክብል እቲ ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሁ።