እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ክኣቱ ወሲኑ
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሎሚ 28 ጥቅምቲ ኣብ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ፡ ዝኾነ ክልል ንሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ንቅዋማዊ መንግስታዊ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ ብዓንቀጽ 62(9) መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ንክኣቱ ከምዘፍቅድ ኣፍሊጡ።
እቲ ባይቶ ካብ ዘሕለፎ ዝተፈላለየ ውሳኔታት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ምእታው ዝብል እቲ ቀንዲ ውሳነ እዩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዘሕለፎ ውሳነ "ናይ ቀትሪ ሕልሚ እዩ፤ ክትግበር ኣይክእልን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ንሓደ ዓመት ንዘናውሖ ስልጣን ብምቅዋም ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ መንግስቲ ድሕሪ ምቛሙ፡ ድሕሪ 25 መስከረም ንፈደራል መንግስቲ ከምዘይፈልጦ ብወግዒ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ እዩ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምኽሪ ቤትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ክፈርስ ወሲኑ። ይኹን እምበር ተወከልቲ ክልል ትግራይ እቲ ወጥሪ እናኸረረ ምስ መጽአ ካብቲ ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ወጺኦም እዮም።
ኣብ ክንድኡ ከኣ ግዝያዊ ምምሕዳር ክትከልን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከኣ ፈጸምቲ ስራሕ ክሸይም፡ ሕግን ስርዓትን ከኽብርን ባጀት ከጽድቕን ወሲኑ።
በዚ መሰረት ብሕገ መንግስቲ ተቐባልነት ዘለዎ ምርጫ ክካየድን እቲ ዝቐውም ምምሕዳር ከኣ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝወሃቦ ትእዛዛት ክፍጽምን ትጽቢት ይግበረሉ ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ኩነታት፡ ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከፍልጥ መምርሒ ሂቡ።
ኩሎም ህዝብታት እታ ሃገር ኣብ ጎድኒ ምክልኻል ክሰለፉን ኣብ ልዕሊ እቲ "ናይ ጥፍኣት ጉጅለ" ዝሰመዩዎ ሓይሊ ንዝውሰድ ውሳኔ ክድግፉ እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ክልቲኦም መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ካብ ናይ ቃላት ኵናት ናብ አዕናዊ ኵናት ተሰጋጊሮም ይርከቡ።
እቲ ኵናት መዓስ ተጀሚሩ
ኣብዚ ሰሙን፡ ናብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ምክልኻል ሃገርን ጎንጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ብሮቡዕ ምሸት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዕውት ስርሒት ከምዘተኻደ ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ተፈኒውዎ ዝብሃል ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ ኣብ ጎኑ ከም ዝተሰለፈ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሓበረን፡ እቲ ኲናት ብወገን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ዒላማታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምውቃዕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ክህሉ ስለዝኽእል፡ "ዘይተሓስበ ሓደጋ ከይመጽእ [ሰባት] ኣብ ከተማ ተኣኪብኩም ከይትንቀሳቐሱ አተሓሳስብ" ክብል ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ቅድሚ እቲ ክስተት መንግስቲ ፈደራል ከጥቅዓና ይዳሎ ስለዘሎ ነብስና ክንከላኸልን ኵናት እንተጋጢሙ ከኣ መኪትና ክንስዕርን ተዳሊና ኣሎና ክብል ጸኒሑ እዩ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም እዚ ህይወትን ንብረትን ዘዕኑ ሓደገኛ ኵናት ብዘተን ልዝብን ንክውዳእ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።