መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ንዝገልጽ ክሲ ነጺጉ

ኤርትራ፡ ሰራዊታ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዶብ ብምስጋር ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ብመራሒ ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ነጺጋ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ "'እዚ ውሽጣዊ ግጭት እዩ። ንሕና ኣካል ናይቲ ግጭት ኣይኮናን'" ክብል ንሮይተርስ ብቴለፎን ተዛሪቡ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ኣካይዱ ክብል መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከሲሱ ነይሩ።

ንሱ: ትማሊ ኣብ ከባቢ ባዕኸር ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ መንግስቲ ኤርትራ ብድሕሪት "ብደብዳብ ኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ" ኢሉ። እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ ሑመራ ከም ዝተፈጸመ'ውን ከሲሱ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ንማዕከን ዜና ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ኤርትራ በጺሑና ዝበሎ መጥቃዕቲ ዝኾነ መርትዖ ኣይሃበን።

ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ቢቢሲ'ውን ነዚ ኩነታት ካብ ካልእ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ዶብ ጥሒሱ ምእታው ከምዝጀመረን፡ ኣብ ግንባር ባድመ'ውን ውግእ ከምዝተጀመረን፡ ዶክተር ደብረጽዮን ጠቒሱ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣለዋ ብዝብል ዘቕረብዎ ክሲ ነጺግዎ።

"ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣንጸላልዩዎ ኣሎ ዝብል [ብጉጅለ ኣባላት ፓርላማ] ዝቐረበ ክሲ፡ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡ ብዘየወላውል ፈጺሙ ይነጽጎ" ይብል እቲ መግለጺ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ መግለጺኡ "ኤርትራውያን እዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከይፍጠር ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ጌርኩም ኢኹም። ኣብ ዝሓለፈ እውን ኣመስጊንና ኢና" ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ዝነበሮም ትጽቢት ከምዘይሰመረ ተዛሪቡ።

"ሕዚ እውን ደጊምና ናብዚ ምእታውና ብጣዕሚ የሕዝን፡ ዝሓለፈ ይኣክል ኢና ንብል ኔርና። ናብ ሓድሽ ካልእ ምዕራፍ ናይ ውግእ ተኣትዩ ኣሎ" ክብል፡ ብወገን ትግራይ ግብረመልሲ ከምዝህቡ ኣተንቢሁ።

"ኤርትራውያን እዚ ከይኸውን ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ደኺምኩም ኣለኹም። የቐንየልና። ግን ኣይሰመረን" ድማ ኢሉ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ "ንሕና እውን መኸተና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ነሰጋግሮ ኣለና። በቲ ዝጀመርናዮ መኸተ ኣይኣክልን ለማት'ዩ። እቲ ግጥም ከቢድ ምዃኑ ፈሊጥና ኩሉ ናይ ትግራይ ዓቕምታት ክነኸትት ኣለና" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገለ ክፋል ኣሃዱታት እቲ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ 'ሰሜን እዝ'፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብወገን ጾሮናን ዛላምበሳን "ኣንፈቶም ቀዪሮም" ኣለዉ ክብል፡ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከየስዕብ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ጸኒሖም ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ነጺግዎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ሰራዊትና ብገዛእ ወገኑ ስለዝተጠልመ፡ ሕጊ ከነኽብር ኢና ብምባል ኵናት ኣዊጁ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ እውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ሰሙኑ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኢመይል፡ ባንክን ኣቋሪጹ ኣሎ።