እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ንዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብቅልጡፍ ክለቅቕ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ
ዓለም ለኸ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምዕጻዉ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ዘኸተሎ ጽልዋ ንምፍላጥ ከምዘጸገመ፡ ስክፍትኡ ገሊጹ።
ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ማውሲ ሴጉን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመት መዓልታዊ ጎንጽን ዓመጽን ከምዘይተፈልያ ሓቢራ።
ነቶም ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ብቕልጡፍ ምፍታሕ ከምዘይተኽኣለ ዘመልከተ እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ንድሕነት ዜጋታት ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ነቲ ኩነታት ክፈትሑ ጸዊዑ።
ዓለም ለኸ መሓዙት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ስቕታ ከምዝመረጹ ድማ ገሊጹ። ሕዚ ግን ነዚ መልእኽቲ ከቃልሑ ኣተሐሳሲቡ።
መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክቋረጽ ምግባሩ፡ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ዘኸተሎ ጽልዋ ንምፍላጥን ንምጽብጻብን ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ፡ መግለጺ ሂዩማን ራይትስ ዎች የረድእ።
ብተወሳኺ'ውን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ንጥዕንኡን ድሕነቱን ዝጎድእ ነገር ዝምልከት፡ ሓበሬታ ከይረክብ ዝገብር ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ከምዝበሎ፡ ኣልግሎት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁራጹ፡ ህዝቢ ኣብቲ ዝተፈጠረ ጉዳይ ብዝምልከት ንመንግስቲ ሕቶ ናይ ምቕራብ መሰሉ ዝገትእ ተግባር'ዩ።
ስለዝኾነ ድማ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ነቲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክመልሱ ፀዊዑ።