እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክላዘቡ ክራይስስ ግሩፕ ጸዊዑ
ዓለምለኻዊ ትካል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ሞንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ሓይሉ ናብ ጎንጺ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ትካል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቅድሚ ምብጽሑ ክኣልዩዎም ይኽእሉ'ዮም ዝበሎም ናይ መፍትሒ ሓሳባት ዘርዚሩ ኣሎ።
ክልቲኦም መንግስታት ዘቐመጡዎ ቅድመ-ኵነት ገዲፎም ንዘተ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ፡ ጉዳይ ባጀት፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ትጽቢት ዝግበሩ ዕዮታትን ካልኦትን እውን ብዝርዝር ኣቐሚጡ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንክልላት ባጀት ከም ዘከፋፍል ብምግላጽ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንፈጻሚ ኣካል ትግራይ ዝወሃብ በጀት የለን ምባሉ ኣዘኻኺሩ።
እንተኾነ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ከጋድዶ ከም ዝኽእል የጠንቕቕ።
መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብዚ ዓመት እቲ ንትግራይ ዝብጽሓ ባጀት ብቐጥታ ናብ ምምሕዳር ወረዳታትን ከተማታትን ክወሃብ እዩ ምባሉ ይፍለጥ።
መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ "ዳርጋ ኲናት ምእዋጅ'ዩ" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበሉ ይዝከር።
ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ኣካላት ነዚ ምስሕሓብ ገዲፎም ንዘተ ቅሩባት ክኾኑ ክራይስስ ግሩፕ ጸዊዑ'ሎ።
ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዛተ እንተኾይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፣ እሱራት ፖለቲካ ክፈትሕን፡ ኩሎም ብጽሒት ዘለዎም ኣካላት ዝሳተፍሉ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብሉ ቅድመ-ኵነታት የቐምጥ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ሃገር ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ኣይካየድን ዝብል መርገጺ'ውን ኣለዎ። ህወሓት፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ዘይሃቦ በይናዊ ክልላዊ መረጻ ድሕሪ ምክያዱ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ ክልላዊ መንግስቲ ምቛሙ ይዝከር።
ብኻልእ ወገን፡ ፕሬዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጣልቃ ይኣቱ ኣሎ ዝብሉ ጉዳያት ከም ዘልዕል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል ነዞም ህወሓት ዘቐመጦም ቅድመ-ኵነት ተቐቢሉ ንዘተ ቅሩብ ዝኾነሉ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
ሰበስልጣን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጳጉሜን ዘካየዶ ክልላዊ መረጻ ሕጋዊ ቕቡልነት የብሉን ብምባል ይነጽጉዎ።
ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ፌደራል ንዘተ ቅሩብ ንክኸውን ንግዚኡ'ውን እንተኾነ እቲ ናይ ባጀት እገዳ ከልዕሎ ክራይስስ ግሩፕ ጸዊዑ።
ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ንከይዓቢ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ከበርክት'ውን ሓቲቱ ኣሎ።
መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንዘተ ቅሩብ ክኸውን ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል እቲ ትካል፡ መንግስቲ ትግራይ'ውን ንመንግስቲ ፌደራል ዝምልከት ቶኽታዂ ዝኾነ መግለጺ ካብ ምውጻእ ክቑጠብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብረሉ ይግባእ ኢሉ።
ንኢትዮጵያ ናይ ቀረባ መሓዛ ዝኾና ሃገራት ቻይናን ወሽመጥ ዓረብን'ውን ክልቲኦም ወገናት ንክዛተዩ ክተሓባበራ ሓቲቱ።
እዞም ጸገማት ብኣጋ ፍታሕ እንተዘይረኺቦምን ናብ ኲናት እንተኣትዮምን ግን፡ ከቢድ ቅልውላውን ስደትን ክስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።