እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ትግራይ 2012፡ ኣብ እዋን መረጻ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ እንታይ ይመስል?
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ፀገዴ ተኹሲ ከምዝተሰምዐ ዝገልፅ ሓበሬታ ረኺብና ንዝምልከቶም ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ሓቲተዮም።
ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ዝተኮሰ ከምዘየለ ብምሕባር "ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ጠያይቲ ከምዝተተኮሰ ሰሚዕና" ክብሉ ሓቢሮምና።
እቲ ፈተነ "ህዝቢ ንምድንጋፅ" ከምዝተሓሰበ ብምግላጽ እንተኾነ ምሉእ ህዝቢ ወፂኡ ድምፂ ከምዝሃበ ንቢቢሲ ኣመልኪቶም።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ትማሊ ምስ ቢቢሲ ፕሮግራም ሬድዮ ኒውስ ደይ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-መሕትት ኣብ ከባቢ ደቡብ ነቲ መረጻ ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ፈተነታት ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
"ኣብዛ ሕዚ ምሳኻ ዝዘራረበላ ዘለኹ ሰዓት ኣብ ከባቢ ዶብ ደቡብ ትግራይ ጎንጺ ከልዕሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። ብርግጽ ንሕና'ውን ነዞም ምትንዃያት እናመከትና ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ድማ "ሓይልታት ትምክሕቲ" ዝበሎም ኣካላት ካብቲ መረፃ ጣብያ ኣዕርዩ ኣብ ዝርሓቐ ከባቢ ምዕራብ ትንኮያ ጀሚሮም ምንባሮም ኣፍሊጡ።
"እኹል ሓይሊ ስለዘሎ ግን ከይኰነሎም ተሪፉ'ዩ። እቲ ተግባራት ንቑሩብ ደቓይቕ ጥራሕ ዝጸንሐ ከምዝነበረ እውን ኣረጋጊጽና ኣለ" ክብል ሓቢሩ።
ምላሽ ብወገን ክልል ኣምሓራ
ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝርከብ ወረዳ ጠገዴ ኣመሓዳሪ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ሙሉጌታ፡ ንሱ ኣብ ዘማሕድሮ ወረዳ ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ከምዘይነበረ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ወረዳ ጸገዴ ግን ምስ መረጻ ብዝተሓሓዝ ጎንጺ ከምዘሎ ምስምዑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚቴ ምምላስ መንነት ኣምሓራ ወልቃይት ጠገዴ ኣይተ ክብረኣብ ቸርነት ከምዝብሎ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ትግራይ ወረዳ ጸገዴ ፍሉይ ስሙ ጨቋር ኩዶቢን ተኹሲ ተሰሚዑ'ዩ።
"እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ህዝቢ ናብ መረጻ ክኸይድን መንገዲ ንኽዓጽውን ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ከምኡ'ውን ሚሊሻታት ነቲ ትእዛዝ ስለዘይተቐበለ'ዩ" ኢሉ።
በቲ ዝነበረ ተኹሲ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ብምግላጽ ከኣ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ከባቢ ከምዝተረጋግአ ሓቢሩ።