ኣብ ትግራይ፡ ንመረጻ ክበሃል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብያተ ዕዮ ተዓጽዮም

ትግራይ፡ ብዘይ ድልየትን ተቐባልነትን መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ሎሚ 04 ጳጉሜን 2012 መረጻ ተካይድ ኣላ። መረጽቲ ድማ፡ ሎሚ ወጋሕታ ድምጾም ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ትግራይ፡ ሎምዓልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብያተ ዕዮ ዕፅው እዩ። ህዝቢ ናብ ድምፂ ምሃብ ገስጊሱ ስለዝወፈረ፡ ብፍላይ ከተማ መቐለ ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም ከምዘለዉ፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ይገልጽ።

እተን ኣብ ምሉእ ትግራይ ዝርከባ 2,672 ጣብያታት መረጻ፡ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 (6፡00) ምስተኸፈታ፡ መረጽቲ ድምጾም ክህቡ ጀሚሮም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ፡ መረጽቲ፡ ካብ ሰዓት 10:30 ኣትሒዙ ሪጋ ሒዞም ከምዝተዓዘበ ይገልጽ።

ኣብ'ዚ መረጻ ክሳተፉ፡ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን [2,755,526] መረጽቲ ተመዝጊቦም እዮም። ካብኣቶም፡ እተን ዝበዝሓ፡ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን፡ ደቂኣንስትዮ እየን።

ኣብ'ዚ መረጻ፡ 5 ውድባትን 4 ውልቀሰባትን እዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ።

ሎሚ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ዝጀመረ ምውሃብ ድምጺ፡ ሎሚ ኣጋ ምሸት ሰዓት 12፡00 ክዛዘም እዩ።

ምቑፃር ድምፂ ኣብ እዋኑ እንተተዛዚሙ፡ ውፅኢት መረፃ ጽባሕ ሓሙስ ንህዝቢ ክግለፅ እዩ።

ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረጻ 'ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ' ብምባል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታውን ኣካል መሰል ርእሰ-ምሕደራን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ናይ መረጻ ቦታ ዘሎ ኹነታት እንታይ ይመስል?

ሪፖርተርና ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብ ዝርከብ፡ ጣብያ ሰላም ድምፂ መውሀቢ ናቑጣ 1፡ መናእሰይ ብወለንተኦም ይሕግዙ ከምዘለዉ'ውን ተዓዚቡ እዩ።

"መናእሰይ ጣብያ ሰላም ብሰናይ ተበግሶኦም ህዝቢ ተፈናቲቱ ታራ ክሕዝ ይመርሑ፡ ይፍትሹ፡ ኢድ የሕፅቡ፡ ኣልኮል ወይ ሳኒታይዘር ይህቡ፡ ብፍተሻ ዝተረኸበ ንብረት ከይጠፍእ ይሕልዉ፡ ናይቲ ከባቢ ፀጥታ እውን ምስ ፖሊስ ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ'ቲ ናይ መረጻ ቦታ ንዝተዓዘቦ ከይዲ ድማ ብኸምዚ ይገልጾ።

"ኣብቲ ናቑጣ መረፃ: ኣፈፃሚ መረፃ ኣረጋዊ ሃብቱ: መረፅቲ ካብቶም ዝቐረብሎም ሕፁያት ይኾኑኒ እዮም ዝበልዎም ኣርባዕተ ወከልቱ ጥራይ ክመርፁ መብርሂ ይህብ።

ተቐባሊ ጋሻ፡ ኣይተ ካሕሳይ ገብረጻድቃን ድማ ኣጋይሽ ተቐቢሉ ተፈናቲቶም ናብ ዳስ ክኣትዉ ብምምራሕ፡ ክሳብ ድምፂ ዝህቡ ይከታተሎም፡ ብዝኣተዉዎ ከይወፅኡ ብኣንፃሩ ብኻልእ ኣፍደገ ክጥቀሙ ይሕብረሎም።

ካብ ጣብያ ጥዕና ሞሞና ዝመፀት ሲስተር ስላስ ደስታ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ዳስ ኮይና መጠን ረስኒ ሰባት ትዕቅን"