ብዛዕባ መረፃ ትግራይ 2012 ክትፈልጥዎም ዝግባእ ፍፃመታት

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ምስተሰረዘ፡ ክልል ትግራይ ግን ናይ ርእሳ ክልላዊ መረጻ ክተካይድ እያ ወሲና።

ትግራይ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፍለጥ፡ ናይ ርእሳ ኮሚሽን መረጻ ብምቛም ንፈለማ እዋን ማእከላይ መንግስቲ ዘይተሰማመዐሉን ዘይደለዮን መረጻ ክተካይድ፡ ድሮ ምሽብሻባ ወዲኣ፡ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን [2,755,526] መረጽቲ መዝጊባ ኣላ።

እቲ መረጻ ድማ፡ መጻኢ ረቡዕ ጻጉሜን 04 ክካየድ እዩ። ንምዃኑ፡ ምስ’ዚ መረጻ ብዝተኣሳሰር ዝተፈጸሙ ኣገደስቲ ዕማማት እንታይ እዮም?

· ባይቶ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ

· ባይቶ ትግራይ፡ 06 ሓምለ 2020 (ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን) ኮሚሽን መረጻን ሕጊ መረጻን ኣጽዲቑ።

· ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 12 ውልቀ ተናሓናሕትን ኣብ’ቲ መረጻ ክሳተፉ ተመዝጊቦም።

30 ሓምለ 2020፡ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ፡ ኣብ 6ይ ዙርያ መረፃ ትግራይ ንምስታፍ፡ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዓሰርተ ሓደ ውልቀ ተወዳደርትን ከምዝተመዝገቡ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ መረጻ ክሳተፉ ዝተመዝገቡ ውድባት ድማ፡ ውድባት ህወሓት: ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ውድብ ናፅነት ትግራይን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን እዮም።

· ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 4 ውልቀ ሰባትን ኣብቲ ንሕንሕ ቀጺሎም።

· ሸሞንተ ውልቀ ተነሓናሕቲ ካብቲ መረፃ ንርእሶም ኣግሊሎም።

· መንግስቲ ትግራይ 15 ሚልዮን ብር ንኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት መዲቡ።

“80% ናይቲ 15 ሚልዮን ሓገዝ፡ ንኹለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብቐመር ተዓዲሉ። እቲ ቀመር 20% ንማዕርነትን ፍሉይ ኩነትን፣ 60% ብዘቕረብዎ ብዝሒ ሕጹያት፡ ብዘይካ ዓሲምባ ኩሎም ማዕረ 152 ሕጹያት ኣቕሪቦም። ዓዴፓ 13 ኣቕሪቡ። እቲ 60% ናይቲ በጀት ኣርባዕቲኦም ማዕረ ተኻፈልቲ እዮም። ዓዴፓ እውን ብዘቕረቦም ብዝሒ ሕጹያት ብጽሒቱ ወሲዱ።

15% ናይቲ በጀት ሕጹያት ደቂ ኣነስትዮን ጉድኣት ኣካላትን ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብዝብል ዝተውሃበ እዩ። 5% ናይቲ በጀት ቅድሚ ሕዚ ኣባል ቤት ምኽሪ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብዝብል ዝተውሃበ እዩ" ይብል ኮሚሽን መረጻ ትግራይ።

  • ብቐጥታ ዝተሓላለፍ ሓሙሽተ መድረኻት ክትዕ ተኻይዱ
  • ተነሓነሕቲ ውድባት፡ ኣማራጽታቶም ኣላልዮም፡ ክትዓት’ውን ኣካይዶም።

“12 ሰዓትን ፈረቓን ንክትዕ ውዒሉ። ካብ’ዚ፡ እቲ 10 ሰዓት ብቐጥታ ፈነወ ዝሓለፈ እዩ። ኣብ ሬድዮታትን ቴለቭዥናትን ትግራይ፡ መዓልታዊ 16 ሰዓት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዛዕባ መደባተን ጎስጓስ ኣካይደን። ኣብ ነብሲወከፍ ሬድዮ መዓልታዊ 2:30 ኣብ ቴለቭዥን ድማ 1:30 ሰዓታት ተዋሂብወን ጎስጒሰን”

እዚ ጎስጓስ ሚድያ ን 24 መዓልትታት ተኻይዱ (ካብ 6 ነሓሰ ክሳብ 29 ነሓሰ 2012)

· 38 ናይ መረፃ ክልላትን 2,672 ናይ መረፃ ጣብያታትን ተጣይሾም።

· 29,600 ኣፈጸምቲ፣ ተዓዘብትን ጥርዓን ተቐበልትን ኣብ መላእ ትግራይ ተዋፊሮም።

· 61 ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት ትግራይ ብተዓዛቢነት ተመዝጊቦም።

  • 'ሰብ ሕድሪ' ዝበሃል ሲቪል ማሕበረሰብ ነቲ መረጻ ከይዕዘብ ተኸልኪሉ።

· ትካላት ሚድያ መምርሒ ስነ ምግባር ጋዜጠኛታት ብክልተ ዙር ሰልጢኖም።

· 21 ነሓሰ 2020 (ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን) ምዝገባ መረጽቲ ጀሚሩ።

ሸውዓተ መዓቲታት ብስሩዕ፡ ክልተ መዓልቲ ድማ ብፍሉይ ኩነት፡ ምዝገባ መረጽቲ ተኻይዱ። ጠቕላላ ኣብ ትሸዓተ መዓልቲ ካርዲ ናይ ምውሳድ መደብ ተወጊኑ። ኣብዚ ናይ ምዝገባ ግዜ፡ ልዕሊ 2.75 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ።

“ካብዚ ደቂ ተባዕትዮ 1.3+ ሚልዮን እንትዀን ደቂ ኣነስትዮ ድማ 1.4+ ሚልዮን እዩ” ይብል ኮሚሽን መረጻ ትግራይ።

ነቲ መረጻ ሽፋን ፍቓድ ዝረኸቡ ዓለም ለኸ ሚድያታት ዛጊድ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዉ ይዝረብ።