እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ክልል ትግራይ ሓሙሽተ ኣመራርሓ ኮሚሽን ክልላዊ መረጻ ሸይሙ
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣመራርሓ ኮሚሽን መረጻ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ንዝሕሰብ 6ይ ክልላዊ መረጻ ሸይሙ።
በዚ መሰረት፡ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነ ማርያም ኮሚሽነር ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ወይዘሮ ጽጌሬዳ ዲበኩሉ ምክትል ኮሚሽነር ብምዃን ተሸይማ።
ካልኦት ኣቶ መረሳ ጸሃየ፣ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ሓጎስን ዶክተር ጸጋ ብርሃነን ድማ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ብምዃን ተመሪጾም።
ኣብዚ ክልላዊ መረጻ፡ ንገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ዝኾነ ህወሓት ሓዊሱ፡ ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሳ ተነሓናሕቲ ሰልፊታት ክወዳደራ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ብምኽንኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ይፍለጥ።