እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ክልል ትግራይ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ
ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ክልላዊ መረፃ ክካየድ ብምሉእ ድምፂ ውሳነ ኣሕሊፉ።
"መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ዛጊድ ኣይተነፀረን፡ ግን ብመሰረት እቲ ሕገ-መንግስቲ ክካየድ እዩ" ክብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ባይቶ ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ታረቀ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ቅድም ክብል ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ህወሓት፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፉ ከም ዝነበረን፡ ምስ'ቲ ሃገራዊ መረጻ ቦርድ ዘሕለፎ ውሳነ ዘይሳነ ብምዃኑ ከካትዕን ከዘራርብን ጸኒሑ እዩ።
ሃገራዊ መረጻ ቦርድ ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ክላባዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ እቲ ንሎምዘበን መወዳእታ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ መደብ ሒዝሉ ዝነበረ ምርጫ ከካይዶ ከምዘይኽእል ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ሓላፊት እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ነቲ ህወሓት ብብርኪ ፓርቲ ዝወሰኖ ሕጋዊ ኣይከውንን ዝብል ርእይቶ ሂባ ነይራ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ፡ 'ሕገ መንግስታዊ ትርጉም' ክወሃበሉ ብምውሳን ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ድማ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ 'እቲ ለበዳ ስግኣት ክሳብ ዝኾነ እዋን' ንዘይተወሰነ እዋን፡ መረጻ ክናዋሕን ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራል ኮነ ክልላት፡ ከምኡ'ውን እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ስራሖም ክጸንሑ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።
ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ብኸመይ ክልላዊ ምርጫ ከምዘካይድ ግን ዛጊት ኣየነጸረን።
እዚ ብደረጃ ባይቶ ክልል ትግራይ ዝተመሓላለፈ ውሳነ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣደይብዎ ይርከብ።