እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድባት ተቓውሞ፡ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ኣለዎ
ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ መረጻ፡ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ኣሎ። ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሓዊሱ መረጻ ከም ዝካየድ ብተደጋጋሚ እንተገለጹ፡ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ተቓወምቲ ሰልፊታት፡ ነቲ መረጻ ኣድላይ ምድላዋት ክገብሩ ኣይራኣዩን።
ኣብዚ ዓመት ኣዘራረብቲ ዛዕባታት ከብ መንጎ ዝኾኑ ሓደ ኣብ ቀጻሊ ዓመት መረጻ ይካየድ ወይስ ይናዋሕ ዝብል እዩ።
ከም በዓል ኢዜማ ዝበሉ፡ ሓደሽቲ ተቓወምቲ ውድባት እቲ መረጻ ንክናዋሕ፡ ርእይቶ ሂቦም ነይሮም። ኣብ ውሽጢ'ቲ ገዛኢ ግንባር፤ እንተኾነ'ውን እቲ መረጻ ንክናዋሕ ገለ ዝንባለታታት ከም ዝነበሩ ይዝረብ።
እንተኾነ፡ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ግንባር ኣብ መወዳእታ ተዘራሪቡ፡ እቲ መረጻ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከም ዘለዎ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ ወንበር ኦሮሞ ፈዳራላዊ ኮንግረስ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ "እቶም ሃገር ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት የላን፡ መረጻ ክካየድ የብሉን" ዝብሉ ሰባት፡ ንክርደኦም ከም ዝኸብዶ ሓቢሩ።
ሃገር ኣብ ቀራና መገዲ ከም ዘላ ዝኣምን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ዝኾነ እንተኾነ መረጻ ኣካይድካ ናብ ህዝቢ ምቕራብ ይሓይሽ ኢሉ እዩ ዝኣምን።
"እታ ሃገር ሕጂ ናብ ዘላቶ ሃዋህው ዘብጽሓ ኢህወደግ'ዩ፡ ኢህወደግ ንመረጻ ኩነታት ከመዓራሪ ምጽባይ ላግጺ'ዩ" ዝብል፡ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ "ኮሚሽን መረጻ ዘይሻራዊ ይኹን ኣይኹን፡ በቲ ዝድለ መገዲ ይኺድ ኣይኺድ ብዘየገድስ፡ መረጻ ካብ ምክያድ ዝሓሸ ካልእ ኣማራጺ የለን" ይብል።
ከም ኣበሃህላ እቲ ፕሮፌሰር፡ ኢህወደግ ከምቲ ክኸዶ ዝግበኦ ይኸይድ የለን። ሰላምን ምርግጋእን ስለ ዘየለ፡ መረጻ ኣካይድካ ሓደ ዝሐሸ ኣንፈት ምሓዝ ዝሓሸ ምኳኑ ይዛረብ።
መሓውራት መረጻ ብቕልጡፍ ክዝርግሑ ተስፋ ዘለዎ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ብኣንጻሩ 'እዚ እንተ ዘይኮይኑ መረጻ ክካየድ የብሉን፡ ወይ ናብ መረጻ ኣይንኣቱን ኢና' ምባል ነዛ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ምውሳድ ማለት ከምዝኾነ ይዛረብ።
"ካብ ክልተ ዝሓመቑ ኣመራጺታት፡ ህዝቢ ሒዝካ ናብ ምርጫ፣ ሰላምን ምርግጋእን ምኻድ ይሓይሽ" ዝብል ፕሮፌሰር መራራ፡ ካልኦት ሕቶታት'ውን የልዕል።
ክታም 10 ሺሕ?
ሓደ ሰልፊ፡ ክታም ዓሰርተ ሽሕ ኣባላት ክእከብ ኣለዎ ዝብል ሓድሽ ሕጊ መረጻ ብምቅዋም፡ ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንቦርድ መረጻ ጥርዓን ኣቕሪቦም እዮም።
ነዚ፡ እኹል ቁጽሪ ኣባላት ስለ ዘይብልና ዘይኮነ፡ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ክታም ንምትእኽኻብ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ብር ክሓተና ይኽእል'ዩ ዝብል ምኽንያት የቕርብ ዶክተር መራራ።
"ተወዳደርቲ ሓደ ሽሕ ወይ ክልተ ሽሕ ፌርማ ክእክቡ ኣለዎም ዝብል ምስ ኣቶ መለስን [ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር] ኣቶ በረኸት ስምኦንን ተዛቲና ክተርፍ ጌርና ኢና። ስለምንታይ መሊሶም ከም ዘምጽኡዎ ግን ኣይፈልጥን" ይብሉ፡ ኣብ መድረኽ ዝተባህለ ጥርናፈ ውድባት ንነዊሕ እዋን ሓቢሮም ዝሰርሑ ፕሮፌሰር መረራን ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስን።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ መረጻ ዝተሳተፈ ከም ናቶም ዝበለ ነባር ሰልፊ፡ "ዳግም ከም ሓድሽ ሰልፊ፡ ፊርማ 10 ሸሕ ሰባት ክንእክብ ምሕታቶም ልክዕ ኣይኮነን"።
"እዚ ናብ ቤት ፍርዲ'ውን ክወስደና ይኽእል'ዩ፤ ነቲ ቦርድ መረጸ ክንኸሶ ንኽእል ኢና፤ ጠበቓ ነዘራርብ ኣለና" ኢሎም ኣቦ መንበር ሶሻል ዲሞክራት ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ።
"እቲ ሕሉፍ ስርዓት ተመሓይሹ'ዩ፡ ሓድሽ ኣሰራርሓ'ዩ ዘሎ እንድዮም ዝብሉ ዘለው?" ብምባል፡ እቲ ለውጢ ንምግምጋም ከም ዝሕግዝ ይገልጽ።
ተወዳደርቲ ሰልፊታት፡ ዓሰርተ ሽሕ ፊርማ ኣተኣኻኺቦም ክምዝገቡ ኣለዎም ዝብል ኣዋጅ፡ ግዘ ዝሓትትን ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ዝፈጥርን ምኻኑ ድማ የረድኡ።
ተነሓናሕቲ ሰልፊታት ኣብ ምርጫ 1997 ዓ.ም [ኢትዮጵያ]፡ እገለ ናተይ ተወዳዳሪ'ዩ ኢሎም ዘቕረቡዎም ሕጹያት ብምዝካር፡
"ቀደም ሓደ ሽሕ ዝብል ዝነበረ፡ ሕዚ ክልተ ሽሕ ገይሮም መሊሶምዎ ኣለው" ይብሉ ፕሮፌሰር በየነ።
ብኣንጻሩ፡ ገለ ድማ እቲ ፊርማ ምትእኽኻብ ዝድግፍዎ ሰልፍታት ተቓዉሞ ኣለዉ።
ጉዳይ ምትእኽኻብ ፊርማ፡ "ከም ዓረና ንዝበለ ንብዙሕ ዓመተት ክቃለስ ንዝጸንሐ ሰልፊ ዘጸግም ክኸውን ኣይኽእልን" ብምባል ከም ዘይቃወሙዎ ርክብ ህዝቢ ዓረና፡ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ ተዛሪቡ።
ብፓርትን ሕጹያት ተወዳደርትን ክእከብ ኣለዎ ብዛዕባ ዝተብሃለ በዝሒ ፊርማ፡ ከም ዝድግፎ ዝዛረብ ኣቦ መንበር ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] የሺዋስ የሺዋስ ኣሰ፡ "ክልተ ሰለስተ እናኾንካ ፖለቲካዊ ሰልፊ'የ ናይ ምባል ዝንባለ ቅጥዒ ክሕዝ ኣለዎ። 10 ሽሕ ፊርማ ይውሕድ እምበር ብዙሕ'ውን ኣይኮነን" ኢሉ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ
ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብቲ መረጻ ዝወዳደሩ እንተኾይኖም፡ ካብ ስራሕ ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ዓንቀጽ ኣብቲ ኣዋጅ ቦርድ መረጻ ሰፊሩ ኣሎ።
ነዚ ዓንቀጽ፡ "ነውሪ'ዩ" ክብል ይገልጾ ዶክተር መረራ። ካልኦት ተቓወምቲ'ውን ነዚ ኣዋጅ ኣይተቐበሉዎን።
ኣብን፡ ዓረና፡ ሶሻል ዲምክራት፡ ኢዜማ፡ ኩሎም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ኣለዉ። ገሊኦም ድማ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶም ጥርዓኖም ከምዘቕረቡ ይዛረቡ።
ፖለቲካዊ ምህዳር
ፕሮፌሰር በየነ፡ ከም ዝብልዎ፡ እቲ መረጻ ክካየድ ከምዘለዎ'ኳ እንተኣመኑ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምንሕናሕ ጥጡሕ ዘይምኻኑ እዩ'ቲ ዓብዪ ጸገም።
"ብጭቡጥ ከም እንፈልጦ፡ ካብ ሹመት ኣባላት ቦርድ መረጻ ወጻኢ፡ ህዝቢ ድምጺ ዝህበሉ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሓውር ኣይተቐየረን" ይብሉ።
"እቲ መርጻ ዘፈጽም፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልል፣ ዞባ፣ ወረዳ እናበለ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝምልመሉ ፈጸምቲ ክሳብ ሕዚ ካድረታት ኢህወደግ እዮም ዘለው። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተሰራሕኻ ዝመጽእ ለውጢ የለን" ኢሎም።
ፕሮፌሰር በየነ፡ ነዚ እምነቶም መረዳእታ ኢሎም ዝጠቕሱዎ፡ ሕሉፍ ዝተሳተፈሎም ሓሙሽተ መረጻታት ከም ኣብነት ይጠቕሱ።
"ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ንፈልጦ ኢና" ብምባል፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ንመረጻ ክልል ፈጸምቲ ዝኾኑ ሰባት ሓብሩ ዝብል ደብዳበ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ።
"እዚ ሓደ እወንተዊ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" እንትብሉ፡ ማሕለኻታት ዝብልዎም ጸገማት ንምዕራይ መንግስቲ ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ሰብ ብጽሒት ኣካላትን ብሓባር ከይሰራሕኻ ብዛዕባ መረጻ ምሕሳብ "የዋህነት'ዩ" ኢሎም ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ምስ መጽአ ብዝኣተዎ መጽበዓ ተስፋ ኣሕዲሩ'ኳ እንተነበረ፡ ሕዚ ግን፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ዝዕዘቦም ዘለው ነገራት፡ "ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረጻ፡ ዲሞክራሲያዊ ክኸውን'ዩ" ዝብል እምነቱ ከም ዝተጓሕጎሐ፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ [ኣብን] ዶክተር ደሳለኝ ጫኑ ይዛረብ።
"ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ፖለቲካዊ ጥፍኣት ተፈጺሙ'ዩ" ዝብል ዶክተር ደሳለኝ፡ ብፍላይ ብ15 ሰነ ብዝተፈጸመ ቕንጸላ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፡ እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር እናጸበበ እናተዓጸወን'ዩ ዝመጽእ ዘሎ ይብል።
ቦርድ መረጻ ዘይሻራዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ክሳብ ታሕተዋይ መሓውር ኣይወረደን ኣብ ዝብል፡ ዓረና ትግራይ ምስቶም ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ይሰማማዕ።
ኣብ ቀጻሊ መረጻ ምስ ቐረበ ሰፋሕቲ ናይ ጎስጓስ ስራሕቲ ምስ ተጀመሩ ድማ፡ 'ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ክኸብደና'ዩ' ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ይዛረብ።
"ንዝሓለፉ ዓመታት ድምጺ ህዝቢ እናሰረቐ ዝመጽአ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሕዚ ካብዚ ኣመሉ ክንደየናይ ክጸሪ'ዩ ዝብል ሰግኣት ኣለና። ለውጢ እንተሃለወ'ውን፡ ናብቲ ውድድር ዝኣቱ ዘሎ ኢህወደግ'ዩ። እዚ ሰልፊ ድማ፡ መሰረታዊ ባህሪኡ ተቐይሩ'ዩ ኢልና ኣይንሓስብን" ኢሉ።
"ሚሊሻን ሚዲያን ዘለዎም ሰልፊታት ኣለው"
ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ፡ "ናይ ግዘ ሕቶ የብልናን፤ ግን መንግስቲ ክርእዮም ኣለዎ ኢልና ዘቕረብናዮም ጉዳያት ኣለው" ይብል።
ቦርድ መረጻ፣ ቤት ፍርድን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን በቲ ዝድለ ብቕዓት ድሉዋት ድዮም? ዝብል ሕጂ'ውን ሕቶኦም ምኻኑ ብምግላጽ፡ ኣብ መረጻ እንተ ተሳዒሮም ስዕረቶም ኣሜን ኢሎም ዘይቕበሉ ውዱባት ክህልው'ዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ይዛረብ።
"ናይ ባዕሎም ሚሊሻን ሚዲያን ዘለዎም ውድባት ኣለው። ገንዘብ ኣለዎም፤ ኣብ መረጻ እንተተስዓሩ'ውን ክቕበሉ ኣይደልዩን" ብምባል፡ ይጠቅስ። ኢዜማ ግን፡ ውጽኢት መረጻ ኣብ ምቕባል ከም ዘይወላወል ገሊጹ።
ማእሰርትን ምፍርራሕን
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ምንቅስቓስ ክገብሩ ይጽገሙ ከም ዘለው ዶክተር ደሳለኝ ይዛረብ። "ኣብን፡ ብኣመሓደርቲ ዞባታት ኦዲፒን ቤጉዴፓን ከምኡ'ውን ናይ ወረዳ ካድረታቶም፡ ከም ናይ ራዕዲ ሰልፊ'ዩ ዝርአ ዘሎ" ኢሉ።
"ቅድሚ ክልተ ወርሒ፡ ወለንጪቲ ቦሰት ኣብ ዝበሃል ወረዳ፡ ቤት ጽሕፈትና ብጥይት ተሃሪሙ'ዩ። ክሳብ ቐረባ ግዘ፡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኣባላትና፣ ኣመራርሓን ደገፍትን ኣብ ኦሮሚያ ተኣሲሮም ነይሮም" ይብል።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ምኽትሉን፤ ናብ ቦርድ መረጻን ናብ ሓለፍቲ ክልል ኦሮምያን ኦዲፕን ከም ዝሓበሩ ይዛረብ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብነጻነት ይንቀሳቐሱ እንተሃለው'ውን፡ ማእሰርትን ጭውያን ዓብዪ ማሕለኻ ከም ዝኾኖም ብምግላጽ፡ ማእሰርቲ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሰልፊ፡ ናይዚ ጸገም መርኣያ ምኻኑ ይጠቅስ።
ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኣቶ ቶሌራ ኣደባ፡ ብወገኑ፡ በቲ ሓድሽ ሕጊ መረጻ ዘይኮነ በቲ ነባር ኣድላዪ ቅጥዒ ኣማሊኦም ምላሽ ቦርድ ምርጫ ይጽበዩ ከም ዘለው ይዛረብ።
ዋላ'ኳ አብዚ ሓጺር ግዘ ዝካየድ መረጻ ወጥሪ ከስዕብ ዝኽእል አንተኾነ፡ ብዝተትሓዘሉ ናይ ግዘ ገደብ ተንቀሳቒሶም ኣብቲ መረጻ ከም ዝዕወቱ ዘለዎም እምነት ልዑል ምኻኑ ይገልጹ።
ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ምንቅስቓስ መረጻ ይገብሩ ከም ዘለው ይዛረቡ ኣቶ ቶሌራ።
ኣብዚ ከይዲ ዝገጠሞም ጸገም እንትጠቕሱ ድማ፡ "ኣብ ገለ ክልላት ዘየድሊ ክትትል ኣሎ። ካልኦት ድማ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣለወን። ዝተዓጸው ኣብያተ ጽሕፈት፣ ደገፍቲ ኦነግ ኢኹም ተባሂሎም ዝእሰሩ ሰባት ኣለው" ኢሉ የልዕል።
ካብዚ ወጻእ ግን፡ ኣብቲ መረጻ ዝርከብ ውጽኢት ንምቕባል ድሉዋት ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ "ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ክነካይድ ኢና ተባሂሉ ዝተኣተወ ቃል ክፍጸም ኣለዎ" ይብል።
ኣብ ትግራይ፡ ብሕታዊ ተቓዋሚ ሰልፊ ኮይኑ ዝጸንሐ ሰልፊ ዓረና ብወገኑ፡ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረጻ ዲሞክራኢሰያዊ ንክኸውን ዝዓግቱ ማሕለኻታት ኣለው ኢሉ ይኣምን።
ኣይተ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ "ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምህዳር ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ። ኣባላትና ይእሰሩ፣ ይህረሙን ንብረቶም ይምንዝዑን'ዮም ዘለው። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዘሎ ውጥጥን ነቲ ዝካየድ መረጻ ይጸልውዎ'ዮም" ይብል።
ዓረና ኣብቲ መረጻ ንምውድዳር ከም ዝተዳለወ ዝሓበረ ኣቶ ዓንዶም፡ "ዝጸንሐን ዝተወደበን ሰልፊ ስለ ዝኸነ፡ ኣብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ንምውድዳር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ንገብር ኣለና" ኢሉ።
ዓረና ኣብ ትግራይ ዝነበሮ ድጋፍ ይስእን ኣሎ ዝብል ርኢይቶ ገለ ወገናት፡ ንኣቶ ዓንዶም ዘእምን ኣይኮነን።
ብምኻኑ ድማ፡ "ህወሓት ንስልጣኑ ስለ እነስግኦ'ዩ ማህረምቲ፣ ማእሰርትን ምፍርራሕን ዘብጽሐልና ዘሎ" ክብል ይምልስ።