እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕያሽ ከይዲ መረፃን ካልኦት መፅበዓታትን ቀዳማይ ሚኒስትር- ብዓይኒ ተንተንቲ
ስልጣን ካብ ዝሕዙ ገና ክልተ ሰሙን ዘይመልኦም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዑደት ብምኻድ ህዝባዊ ርክባትን ዘተን የካይዱ ኣለዉ።
ፈላማይ ጉዕዘኦም ናብ ሶማል ኢትዮጵያ ብምግባር ቀፂሎም ድማ ናብ ከባብታት ኣምቦን መቐለን ተጉዒዞም'ዮም። ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረሰተብ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰባት ዘትዮም።
ኣብ ዘረበኦም፡ ንሶም ዝመርሑዎ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ መሰረታዊ ምምሕያሻት ከምዝገብር ዘፍለጡ እንትኸውን፤ ስርዓት ፍትሕን ከይዲን ሕግታት መረፃን ከምዘመሓይሹን ኣብ ፀጥታን ምክልኻል ሃገርን ምትዕርራያት ከምዝገብሩን ተዛሪቦም።
ኣብዞም ዝተልዓሉ ጉዳያት መሰረት ገይርና ክልተ ዝምልከቶም ተንተንቲ ፖለቲካን ፀጥታን ኣዘራሪብና።
ሃንቀውታ 'ነፃን ፍትሓውን' መረፃ
ቅድም ክብል ብተኸታተሊ ክካየዱ ዝፀንሑ ሃገራዊ መረፃታት ጥርጣረን ነቐፈታትን ክቐርበሎም ፀኒሑ እዩ። እዚ ከይዲ መረፃ ንምምሕያሽ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ'ዮም ኢሎም።
"ቀፃሊ መረፃ ሓቀኛን ንሕንሕ ዝብርተዐሉ ንምግባር ካብ ብሕዚኡ ተዋዲድና ከም እንሰርሕ ከረጋግፀልኩም ይፈቱ"።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ አበባ መምህር ትካል ፌደራሊዝምን ተንታኒ ፖለቲካን መንእሰይ ናሁሰናይ በላይ እዚ አመልኪቱ ሰለስተ መሰረታዊ ብርክታት የልዕል።
እቲ ሓደ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ብነፃን ግልፅን ክንቀሳቐስሉን ጎስጓስ ክገብሩን ዝኽእልሉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ይምልከት። እቲ ካልኣይን ወሳንን ድማ ምሕደራ እቲ ከይዲ መረፃ ቅቡልን ህዝባዊ ተኣማኒነት ክህልዎን ምግባር እዩ ይብል።
ኣብ መወዳእታ ዝኾነ ተነሓናሒ ውድብ ከቕርቦ ንዝኽእል ጥርዓን ግቡእ ምላሽ ምሃብ ይምልከት። ብሓፈሻ ይብል ናሁሰናይ "ብሓፈሻ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘቕመጡዎ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ ውፅኢት መረፃ ምክያድ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር'ዩ" ይብል።
ብምዃኑ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ምቅማጦም ግቡእ ምዃኑ ይዛረብ። ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎም ቅኑዓትን ክኢላታትን ሰባት ዝመርሑዎ ቦርድ መረጻ ምጥያሽ ወዓል ሕደር ዘይበሃሎ ስራሕ ምዃኑ ይኣምን።
እዚ ከይዲ መረፃ ካብ መሰረቱ ክመሓየሽ ዝኽእል ሓፈሻዊ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ሃዋህው እታ ዓዲ ክዕረ እንተሎ ምኳኑ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኩነታት እታ ሃገር ቅድሚ 20 ዓመት ካብ ዝነበረቶ ኣዝዩ ዝተፈለየ ማሕበራዊ ሓቅታት ዝተፈጥረ ምዃኑን ነዚ ዝምጥን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ትግበራን ከምዝጠልብ ኣስሚሩሉ።
ፀጥታን ደሕንነትንከ እንታይ ዝጠልብ እዩ ክኸውን?
ብዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባትን ካልኦት ፖለቲካዊ ኣካላትን ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ከቕርቡ ይረአዩ። ሓደን ቀንዲን እቲ ትካል ልዕልነት ሓደ ብሄር ሰፊኑዎ ዝብል እንትኸውን እቲ ካሊእ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ኣይኮነን ዝብል'ዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ "ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውግንና ዝፀረዩ ሕገ መንግስትን ሉኣላዊነትን ዝሕልዩ፡ ኩርዓትን መመክሕን ሃገር ኮይኖም ክቕፅሉ ክንገብሮም ኢና" ኢሎም።
ዶክተር ኣብይ ኣብዚ ጉዳይ "ምምዕርራያት ክነካይድ ኢና" ዝብል ሓሳብ ንሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር፡ ጀነራል አበበ ተክለሃይማኖት (ጆቤ)እንታይ ትርጉም ይህቦም ክንብል ሓቲትናዮም።
እቶም ጀነራል ብሓፈሻ፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረቑሑዎም ሓፈሻዊ ሓሳባት ምምሕያሽ ደጊፎም፥ እዚ ኣብ ፀጥታን ድሕንነትን ዝቐረበ ሓሳብ ድማ በዚ መነፅር ተመልኪቶሞ።
ኣብ ምክልኻል ሃገር ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣድኒቖም ተበጊሶም። "ይኹን ምበር ኩላትና ውን እንተኾነ ክንጠርዐሉ ዝፀናሕና ምክልኻል ናይ ሃገር 'ምበር ናይ ሓደ ውድብ ኣይኮነን ዝብል'ዩ" ይብሉ።
እቲ ሰራዊት ካብ መጀመርትኡ 'ፖለቲካዊ ሰራዊት' ስለዝኾነ ሓደ ሓደ ምጥንኻራት ከምዘድልዮ ይኣምኑ። "ንባዕልና'ውን ሓዊሱ ንፖለቲካዊ ዕላማ ንሓደ ውድብ ዝተሰለፍና ኢና ነይርና፥ እዚ ክሳብ ሕዚ እቲ ፅልዋታት ኣይገደፎን" ብምባል።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ስራዊት "ማእኸሉ ሕገ መንግስቲ ኾይኑ ብዝበለፀ ዓቕሙ እናዓበየ ክኸይድ አለዎ" ይብሉ።
እቲ ታሪኻዊ ኩነታት ዝፈጠሮ እቲ ትካል ተጋሩ ዝበዝሑዎ ከምዝነበረ ዝዛረቡ ጀነራል ኣበበ፡ ነዚ ንምምጥጣን ክሳብ ሕዚ ዝተገብረ ፃዕሪ ፅቡቕ ዝበሃል ከምዝኾነ ተዓዚቦም።
"ቅድም ክብል ጀሚሩ ብሄራዊ ምምጥጣን ንምፍጣር ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ብዙሕ ትግራዋይ'ውን መስዋእትነት ከፊሉ እዩ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተመጣጢኑ'ዩ። ስለዚ እቲ ሐዚ ዝግበር ምምዕርራያት ንምምጥጣን ዝግበር ኣይክኸውንን" ኢሎም።
ንሶም ከምዝብሉዎ አባላት እቲ ትካል 'ወያናይ ዲሞክራሲ' መምርሒ ክኽተሉ ይግበር ከምዝነበረን እዚ ፖለቲካዊ ውግንና ንክተርፍ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወግዒ ሓቲቶም ምንባሮም ይዛረቡ።
ኣዕጋቢ መልሲ ግን ኣይረኽብኩሉን ይብሉ፡ እቲ ሐዚ ዝቐርበ ዘሎ እቲ ትካል ናይ ምምሕያሽን ምብርታዕን ሓሳባት ብእወንታዊ ጎኑ ብምርኣይ።