እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ዳግመ ምጥያስ ቦርድ መረጻ፡ ዝወጸ ረቂቅ ኣዋጅ ይዝትዩ ኣለው
ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ጉባኤ ሕግን ፍትሕን፡ ኣኽባር ሕጊ ፌደራል፡ ዝተዋደደ ናይ ዘተ መድርኽ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕትን ተወከልትን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ንመረጻ ዝምልከቱ ሕግታት ክህልው ከለው፡ ሕጊ መረጻ ሓደ ካብኣታቶም ኢዩ። እቶም ክልተ ድማ፡ ምዝገባ ፖለቲካው ሰልፍታትን፡ ስነ-ምግባር መረጻን ኢዮም።
ብመንጽር ደሞክራሲያዊ፣ ነጻን ፍትሓውን መረጻ ምክያድ፡ እዞም ሕጋጋት ዘለዎም ሕጽረት፡ ብዝተፈላለዩ መለክዕታት ምግምጋሙ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣባል ጉጅለ መጽናዕቲ ትካላት ደሞክራሲን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መምህር ሕግን ዶክተር ሲሳይ ኣለማው ኢዮም።
ሕጂ ንዘተ ቀሪቡ ዘሎ ግና ብኣዋጅ ቁጽሪ 532/99 ዝተካተተ ንቦርድ መረጻ ዝምልከት ረቂቕ ምዃኑ ዶክተር ሲሳይ ገሊጾም።
"እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ንቦርድ መረጻ ዳግም ነጻን ተኣማንነት ዘለዎን፡ ንኣፈጻጽማ ስራሕ ኣሳልጦ ብዘለዎ መልክዕ ንምጥያስ ብዘሎ ድልየትን ሕቶን ኢዩ" ኢሎም።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፡ ኣቃውማ እቲ ቦርድ ብሓፈሽኡ እንታይ ክመስል ኣለዎ፡ ኣባላቱ ብኸመይ ይምረጹን ይለዓሉን፡ ስልጣኖም እንታይ ይመስል? ንዝብሉ ዛዕባታት ብዝርዝር ዝምልስ ኢዩ።
ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ለውጥታት ሓደ፡ እቶም ኣብ ትርፊ ሰዓት ዝሰርሑ ኣባላት ናብ ምሉእ ሰዓት ምስግጋር ምዃኑ ዶክተር ሲሳይ ሓቢሮም።
ኣብቲ ረቂቕ ብዝተቐመጠ መሰረት፡ ኣባላት እቲ ቦርድ ናይ ምሉእ ሰዓት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ቁጽሮም ክውሕድ ይኽእል።
ንሳቶም ድማ ኣብቲ ቦርድ ዝሓሸ ተሳትፎ ክህልዎም ትጽቢት ከም ዝግበር ዶክተር ሲሳይ ገሊጾም።
እቲ ቦርድ ኣብታ ሃገር ንዝካየዱ መረጻታትን ህዝበ ውሳነን፡ ኪንዮ ምምሕዳር፤ ናይ ስነዜጋ ትምህርቲ ምሃብ፡ ፖለቲካው ሰልፍታት ናይ ምምዝጋብ ስልጣናት ስለዘለዎ፤ ክሳብ ታሕቲ ናይ ምምሕዳር ቅርጺ ክህልዎ ከም ዝግባእ ምጥቃሱ'ውን ተዛሪቦም።
እቲ ንዘተ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ፡ ቦርድ መረጻ ካብ ምምሕዳር ባጀት ክሳብ ምቑጻር ኣፈጸምቲ መረጻ ምሉእ ስልጣን ክህልዎ ዘኽእል ምዃኑ ተገሊጹ።
ኢትዮጵያ ብዝሒ ህዝብን ዘለዋን ስፍሓት ዘለዋን ሃገር ብምዃና፡ ቦርድ መረጻ፡ "ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፈጸምቲ መረጻ ስለ ዘዋፍር፡ እኹል ግዜን በጀትን ረኺቡ፡ ብነጻነት ክሰርሕ ዘኽእል ባይታ ምእንቲ ክህሉ ኢዩ እዚ ረቂቕ ዝቐረበ" ኢሎም ዶክተር ሲሳይ።
እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣባላት እቲ ቦርድ፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ብዘነጸባርቕ መገዲ፡ ንብሄር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክምረጹ ይሓትት።
እቲ ረቂቕ፡ ንሓደ መረጻ ዘይኮነ ንነዊሕ እዋን ከገልግል ዝተቐርጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣባላትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብዚኦምን ካልኦት ኣብቲ ሕጊ ዝተካተቱ ዛዕባታት ዘትዮም።