ኣባላት ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ንምሕራይ ህዝባዊ ጥቆማ ተጀሚሩ

ኣብ ትግራይ፡ 6ይ ዙርያ ክልላውን ከባብያውን መረጻ ንምክያድ ዘኽእል ኮሚሽን መረጻ ንምውዳብ፡ ህዝቢ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ክኾኑ ኣለዎም ንዝብሎም ክጥቁም ሕቶ ቐሪብሉ።

እዚ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝጀመረን ክሳብ ሸውዓተ ሓምለ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝጸንሕን ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ 301 ሰባት ተጠቊሞም ኣለው።

ኣካቢ ኮሚቴ ምጥያሽ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣቶ ኣሰፋ ገብረስላሰ ሎሚ መዓልቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጥቆማ ጽባሕ ከም ዝዛዘም ብምግላጽ፡ ሮቡዕ 15 ሓምለ 2020 ምስ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዘተ ተገይሩሉ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቐሪቡ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር ኢሉ።

እቲ ኮሚቴ ዝርዝር ዝተጠቆሙ ሰባት ናብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዘቕርብ ኮይኑ፡ እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ትግራይ ብምዃን ካብቶም ዝተጠቆሙ ሰባት ነቶም 10 ክሓርዩ'ዮም።

ካብዚኦም ድማ፡ ኮሚሽነርን ምክትልን ዝርከቡዎም 5 ሰባት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ተመሪጾም፤ ክጸድቁ'ዮም።

መመዘኒ ረቋሒታት፡

  • ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘለዋ/ዎ
  • ቋንቋ እቲ መረጻ ናይ ዝካየደሉ ክልል እትመልኽ/ዝመልኽ
  • ኣባል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘይኮነት/ ዘይኮነ
  • ንሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ተገዛኢት ዝኾነት/ ዝኾነ
  • ምስ መረጻ ዝዛመድ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታን ዓቕምን ዘለዋ/ዎ ከምኡ'ውን
  • ስነ ምግባሩ ዝሓለወን ሓላፍነት ክቕበልን ዝኽእልን ሰብ ምዃኑ ዝብሉ'ዮም

ዝኾነ ይኹን ሰብ ነዞም ረቛሒታት ዘማልአ'ዩ ዝበሉዎ ሰብ ናይ ምጥቋም መሰል እንትህልዎ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ናብ +251344416567 ወይ ድማ +251342410074 ብምድዋል ክሓሪ ከም ዝኽእል ተገሊጹ'ሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን መረጻን ኣዋጅ ሕጊ መረጻን ዝርከቡዎም ኣዋጃትን ኣሰራርሓታት ዘጽደቐ ኮይኑ፡ ኮሚሽን መረጻ ንምቛም ዘተሓባብሩ ካብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝተወጻጽኡ ትሸዓተ ኣባላት ብኣቕራብነት ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ባይቶ ቐሪቦም ክጸድቁ ተገይሩ'ዩ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ንዘይተፈለጠ እዋን ክናዋሕ ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ስጉምቲ ስልጣን ብዘይ ኣግባብ ናይ ምንዋሕ ተግባር ገይሩ ከም ዝወሰዶ ብምግላጽ፡ ብብርኪ ክልል መረጻ ንምክያድ ወሲኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ መረጻ ከካይድ ትጽቢት ይግበር።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ከሳልጥ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝነጸገ ኾይኑ፡ ባይቶ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረጻን ንምጥያሽ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።