እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፋይናንሳዊ ወጻእታት መረጻ ትግራይ መን'ዩ ዝሽፍኖ?
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘለዎ ልምድን ሃፍተ ገነትን ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መረጻ ከተሓባብር ዘቐረበሉ ሕቶ ኣይተቐበሎን፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ክልል መረጻ ብባዕሉ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዛጊድ ክልላዊ ኮሚሽን መረጻ ዘጣየሸ ኾይኑ ሕጊ መረጻ ድማ ኣጽዲቑ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ኮሚሽን መረጻ፡ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምውዳብን መደብ እቲ መረጻ ኣብ ምውጻእን ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ መደብ ጎስጓስ፣ መዝገባን መረጽትን መዓልቲ መረጻን ዕላዊ ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መረጻ ክካየድ ምግባርን ኣድለይቲ ቐረባት ምምላእን ሓልፍነት መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ "ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ እንድሕር ዘይተዋጺኡ፡ ዲሞክራሲ ሰኣን ገንዘብ ክትገድፎ እትኽእል ነገር ኣይኮነን፡ ዲሞክራሲ ኣብዚ ዓዲ ልዕሊ ኹሉ ናይ ህልውና መሰረት ተባሂሉ ተቐሚጡ እዩ" ኢሉ።
ይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ክልል ነቲ መረጻ ንምክያድ ዘድልዩ ወጻኢታት ባዕሉ ክሽፍኖ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን "ንልምዓትን ንሰናይ ምምሕዳርን ዝሓዝካዮ ገንዘብ ንዲሞክራሲ ተውዕሎ" ዝበለ ኣይተ ኣማኑኤል፡ እቲ ክልል ዘለዎ ጸገማት ተጻዊሩን ዘለዎ ሃፍቲ ተጠቒሙን ነቲ መረጻ ከምዘካይዶ ገሊጹ።
"ካብ ባዕሉ እዩ ዝምድቦ፡ መረጻ ክካየድ ኣለዎ። በጀት መዲቡ ዝሕግዙ ኣካላት እንተልሃዮም ካዓ ሕጊ ብዝፈቕዶ መገዲ ተሓጊዙ ክገብሮ ኣለዎ ማለት እዩ ኢሉ" ኢሉ።
እቲ መንግስቲ፡ "ዲሞክራሲ እንተዘይሃልዩ ልምዓት ክህሉ ኣይኽእልን" ኢሉ ከምዝኣምን ዝገልጽ ኣይተ ኣማኑኤል፡ እቲ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝብሎ ለውጢ "ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሰረት ክተክል ስለዝኸኣለ እዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ንዋታዊ መስዋእትነት እቲ ዝቐለለ እዩ" ኢሉ፡፡
ክንደይዝኣክልወጻኢ ኸ ይሓትት?
ምሁር ሕግን ንጡፍ ማሕበራዊ ሚድያን ኣቶ ዳኒኤል ብርሃነ፡ ሃገራት ንመረጻ ዘውጸአኦ ገንዘብ ከም ኣገባብ እቲ ክካየድ ዝድለ መረጻ ከምዝፈላለ ይገልጽ፡፡
መረጻ ንምፍጻም ዘድሊ ሓይሊ ሰብ ምስልጣንን ምውፋርን፥ ግብኣታት መረጻ ምምላእን ምጉዕዓዝን ጥራሕ እኳ ቀሊል ከምዘይኮነ ተሞክሮ ዝተፈላለያ ሃገራት የርእይ።
"ንኣብነት ኣብ ትግራይ እንተርእይና፡ ዳርጋ ሸውዓተ ምኢቲ ጣብያታት ኣለዉና፡ እዞም ጣብያታት ናብ ሰለሽተ ሽሕ ጣብያታት መረጻ እዮም ክቕየሩ። ኣብዚኦም ዘደሊ ፈጸምቲ መረጻ ድማ ካብ ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ክሳብ 15 ሽሕ ዝኸውን እዩ። ነዚ ዘድሊ ስልጠና፥ ኣበል ፥ መሃያ ክትምድብ ኣለካ። ብተወሳኺ ናይ መረጻ ከረጢትን፡ ንሕድሕድ ከረጢት ካብ ወጻኢ ዝዕደግ ቁልፍን" ካብቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ወጻኢታት ከምዝኾኑ ኣቶ ዳኒኤል ብርሃነ ይገልጽ።
ንተወዳድርቲ ዝግበር ሓገዝ ገንዘብን ኣብ ሚድያታት ዝምደብ ናይ ኣየር ሰዓትን 'ውን ካብቶም ተጠቀስቲ ወጻኢታት እዮም፡፡
" ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣስታት ክልተ ምኢቲ ወናብር ኣለዎ፡ ንሓደ ወንበር ሓሙሽተ ሕጹይ እንተሃልዩ፡ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ተወዳዳሪ ኣለካ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ጥራሕ ማለት እዩ፡ናይ ወረዳ ቤት ምኽሪታት ገዲፍና ማለት እዩ። ስለዚ መንግስቲ ነዚኦም በጀትን ናይ ሚድያ ኣየር ሰዓትን ክምድብ ኣለዎ ማለት እዩ።" ይብል።
ብተወሳኺ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ሃገራት ልሙድ ኣሰራርሓ ከም ዝኾነ ኣቶ ዳኒኤል ይዛረብ።
ንመረጻ ዘድልዩ ግብኣታትን ነናብ መረጻ ጣብያታት ዝግበር ምጉዕዓዝን 'ውን ኣብ ተጠቃሲ ወጻኢታት ከምዝኾነ የልዕል፡፡
ብሓፈሻ እንትረኣይ ድማ " ኣብ ቀረባ መንግስቲ ፌደራል (ኣብ 2013 ዓም) ንመፈጸሚ መረጻ ልዕሊ 4 ቢልዮን ብር (መፈጸሚ መረጻ) ከምዝተሓተተ እዩ ዝንገር ዘሎ። ኣብ ትግራይ ዓሰርተ ምኢታዊት ናይዚ'ኳ እንተወሲድካ ሰለስተ ምኢቲ ኣርባዕተ ምኢቲ ሚልዮን ክሓትት ይኽእል እዩ" ብምባል ተንታኒ ፖለቲካ ኣይተ ዳንኤል ብርሃነ ግምቱ የቐምጥ።
ብኻሊእ ገጽ ገለ ወጻኢታት መረጻ ንምቕናስ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ፍትሓዊ ውድድርን ተኣማንነትን ኣሉታዊ ጽልዋ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ የልዕል።
"ንኣብነት ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ሰባት ሽም ዝርዝር ኣይምዝግብን፡ ናይ ነባርነት መለለዪ ዘለዎ እዩ ዝመርጽ እንተኢልካ ወጻኢ ክቕንስ ይኽእል እዩ።ተኣማንነት እቲ መረጻ ግን ኣብ ጸገም ክኣቱ ይኽእል። ኣብ መረጻ ንዝሳተፉ ውልቀ ሰባት ይኹን ውድባት በጀት ኣይምድብን ክትብል ትኽእል ኢኻ፡ በጀት ይንክየልካ። ግን ብኻሊእ ወገን ማዕረ ተወዳዳራይነት ክህሉ ኣይኽእልን፡፡" ይብል፡፡
በጀትምምዳብናይመንሓላፍነትእዩ?
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ክልል ንዝካየድ መረጻ ንምምራሕ ፍቓደኛ እንተዝኸውን፡ ነቶም ወጻኢታት ክሽፍኖም ነይሩ ማለት ከምዘይኮነ ኣቶ ዳኒኤል ብርሃነ ይዛረብ፡፡ ምኽንያቱ ድማ "ግልጺ ዝኾነ ኣካይዳ የለን" ይብል።
" ንኣብነት ኣብ ናይ ህዝቢ ሲዳማ ሪፈረንደም፡ ቦርድ መረጻ ካብ ዞባ ሲዳማ እዩ በጀት ሓቲቱ። ካብ በጀተ ፌደራል ኣይተጠቐመን። ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ግን ኣብ ቅማንት ይኹን ናይ ስልጤ ሪፈረንደም ናይ ፌደራል በጀት እዩ ዝጥቀም ነይሩ።" ይብል፡፡
ብተወሳኺ መረጻ ንምክያድ ክልል ትግራይ ዘውጸኦ ወጻኢ ኣብ ልምዓት እቲ ክልል ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ ከምዘይኽእል እዩ ዝኣምን ኣቶ ዳኒኤል፡፡
" ትግራይ እቲ መረጻ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ክትፍጽሞ እንተኽኢላ፡ መረጻ ባዕሉ እኮ ሓደ ናይ ልምዓት ስራሕ እዩ። ልምዓት ብዘይ ዲሞክራሲ ክትሓስቦ ኣይትኽእልን። ዝሓሸ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ተወዳዲሮም ናብ ኣብያተ ምኽሪ እንተኣትዮም ነቲ ልምዓት ዘሳልጥ ነገር እዩ፡ ዝሓሸ ልምዓት፥ ምሕደራን ተሓታትነትን ዘምጽእ እዩ" ይብል።