እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መረጻ ትግራይ ንምስታፍ፡ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ
ኣብ መረጻ ትግራይ ንምምራፅ ትማሊ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ንዝተመዝገበ ህዝቢ ከይሓወሰ፡ 2,740,888 ህዝቢ ከምዝተመዝገበ ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ገሊፁ።
ብዝተፈላለየ ኩነታት መዝገባ ዘምለጦም ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት ዝተመዝገቡ ኾይኖም፡ ሕዚ ምዝገባ ምሉእ ንምሉእ ተዓፅዩ ኣሎ።
ኮምሽን መረፃ ትግራይ: ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዛጊድ ሰለስተ ዓበይቲ መድረኻት ክትዕ ኣካይዱ።
ሓደ መድረኽ ከምዝተርፎን ኣብዚ ሰሙን ሓሙስ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
መረጻ [ምርጫ] ንምፍፃም ዘድሊ ናውቲ ብእዋኑ ነናብ ቦታኡ ከምዝበፀሐ እውን እቲ ኮምሽን ይገልፅ።
ኣብ ትግራይ 29,600 ኣፈፀምቲ መረፃ፣ ሰማዕቲ ጥርዓንን ተዓዘብትን ኣለዉ።
ትግራይ 2012 ንምዕዛብ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝመፁ ተዓዘብቲ: ብመስርሕ ሓይሊ ዕማም ከምዝሓልፉን ኣብ እዋኑ ዕላዊ ከምዝግበርን ኣይተ መረሳ ፀሃየ ተዛሪቦም።
ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ መራኸብቲ ህዝቢ ከካይድዎ ዝፀነሐ ጎስጓስ ምረፁና ኣብዚ ሰሙን ዓርቢ ጠጠው ክብል እዩ።
ኣብ ትግራይ 38 ክልላት መረፃን 2,672 ጣብያታት መረፃ ከምዘለዉ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።
ኣብ መረጻ ትግራይ: 5 ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 4 ውልቀሰባትን ክሳተፉ እዮም።
ምርጫ መፃኢ ሰሙን ሮቡዕ ጳጉሜን 4 ክካየድ እዩ።