እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምርጫ ቦርድ ላይቤሪያ፡ ቤት ፍርዲ እቲ መረጻ ክካየድ ወሲኑ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ላይቤሪያ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ ዳግም ክካየድ ዘግብር መረዳእታ ምድንጋር ኣይረኸብኩን ኢሉ።
እዚ ማለት ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ናብ ናይ መወዳእታ ዙርያ መረጻ ዝቐረቡ ሕጹያት፡ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃን ምክትል ፕሬዝደንት ጆሴፍ ቦከያን ክካየድ'ዩ።
ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ድማ እቲ ዝዘንግዐ መረጻ እታ ሃገር ዝካየደሉ ግዜ ሰሌዳ ከቐምጥ'ዩ።
ኣብቲ ፈላማይ ዙርያ ሳልሳይ ዝወጸ ወካሊ ፓርቲ ሊበራል ቻርለስ ብሩምስኪን፡ ነቲ ዉጽኢት ተቓዊሙዎ'ዩ።