ኣብዪ ኣሕመድ ብትግርኛ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ 6 ቀንዲ ነጥብታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ምስ ፋና ዝተባህለ ብመንግስቲ ዝድገፍ መደበር ተለቪዥን ብቋንቋ ትግርኛ ካየዶ ቃለመሕትት፡ ብሓፈሽኡ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘሎ ምስሕሓብ ዘተኾረ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ንቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ምልከት ዘርኣየሉ ቃለመሕትት፡ ተኽእሎ ኲናት ምስ ክልል ትግራይን፡ ምርጫ፡ ርክብ ምስ ኤርትራ ዘጠቓለለ ሓያሎ ነጥብታት ኣልዒሉ ተዛሪቡ።

ኣብ 6 ካብቶም ቀንዲ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት እንታይ ከምዝበለ ብሕጽር ዝበለ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

‘ምስ ትግራይ ምውጋእ ዝብል ዘረባ ካብ ባሃሊኡ ደጋሚኡ”

ጠንቂ ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ንሱ ዝመርሖ ፌደራላዊ መንግስትን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘተኣታተዎ ጽገናታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ’ውን፡ “ናይ ዕብዳን ዘረባ’ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ” ክብል ብቑጠዐ ነጺግዎ።

ንሱ ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም’ውን ገሊጹ።

“ትግራይ ናይ ምጉዳእ ዝብል ሓሳብ ብወገነይ ፈጺሙ የለን” ብምባል፡ ካብቲ ካብ ፌደራል ናብቲ ክልል ዝተመደበ ባጀት “ዋላሓንቲ ሳንቲም ኣየጉደለን” ኢሉ።

“መንግስቲ ክልል ትግራይ ንመግንስቲ ፌደራላዊ ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ኣይንፈልጦን ኣይንኣምነሉ፡ ምስኡ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን እንዳበልካ፡ ናይ ባጀት ጥራይ ሕቶ ኣልዒልካ ስጉምቲ ተወሲዱ ማለት፡ ዝግባእ ኣይመስለንን።”

ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ካብ ማእከል ሃገር ብክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀንዲ መስመር ጽርግያ ብምዕጻዉ፡ እቲ ጉዕዞ ብክልል ዓፋር ምክያዱ ቁጠባዊ ሃስያ ከምዘስዓበ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ገለ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ፌዴራል'ውን ጠጠው ከምዝበሉ እዩ ዝዝረብ።

ምስ ህወሓት ዘሎ “ወጥሪ

እቲ ብቐንዱ ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ዝቖመ ኢህኣዴግ ብምፍራስ ንብልጽግና ፓርቲ ዝመስረተ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ዘካየዶም ለውጥታት ነቲ ኣብ ፌደራላዊ ስልጣን ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮ ህወሓት ኣወጊኑ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ።

ድሕሪ ምፍልላዮም፡ ህወሓት ምስቲ ብመሳልል ኢህኣዴግ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ከምዘይክእል ብምግላጽ፡ ምስቶም ካልኦት ሓይልታት ክሰርሕ ወሲኑ። እንተኾነ፡ እቲ ርክብ እናሓርፈፈ እዩ መጺኡ።

እቲ ቀደማይ ሚኒስተር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዘሎ “ኣፈላላይ” ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎን ክፍታሕ ከም ዝኽእልን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

“ብውድብ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል ኮነ፡ ኣነ ብውልቀይ ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክህሉ ይኽእል ኢልና ኣይንሓስብን ኣይንኣምንን።”

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ “ንቑሕ ተሳትፎ ዘይገበረሉ እዋን ኣይነበረን" ብምባል ድማ፡ ምውጋኑ “ክሕሰብ ይኹን ክሕለም ዝኽእል ኣይኮነን” ኢሉ።

“ብወገን ብልጽግና፡ ኩሉ ነገር ብምርድዳእ ብገምጋም ተመያዪጥና ናይ ምፍታሕ ልዑል ድሌት ኣለና ድማ” ኢሉ።

ብወገን ህወሓት’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኣፈላላይ ብምርድዳእ ናይ ምፍታሕ ድሌት ዘለዎም መራሕቲ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን “ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣፈላላይ ብጎነጻዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ድሌት ዘለዎም መራሕቲ ምህላዎም ንኹሉ ግሉጽ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።

ነቲ ወጥሪ ንምትዕብባይን ንምግፋሕን ዝጽዕሩ “ገለ ሓይልታት” ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ። እቶም ሓይልታት መን ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።

"ከምዚ ኢልካ ምንባር ስለዘይክኣል፡ ካብኡ ንነጀው'ውን ናይ ቤተሰብ ወጥሪ ስለዝኾነ ምፍታሕ ናይ ግድን'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለኒ" ኢሉ።

"ግና ምእንቲ ክሓጽር፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ንዘለዉ፡ ከም እኒ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣዕሩኽታት'ውን ወሲኹ፡ ልምዓትን ሰላምን ስለዝደልዩ ክድግፎም ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

"እኒ ብዓል ደብረጽዮን ካብ መጀመርያ ጀሚሩ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል፡ ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም ጸገም ብናትና ወገን ይኹን ብናቶም ወገን ዘለዉ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዘለዎም ድልውነት ኩሉ ሻዕ ዝረአን ዝፍለጥን ነይሩ። እዚ ካብ ህዝቢ ትግራይ ደገፍ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ይኣምን"።

"ብፍላይ ንዶክተር ደብረጽዮን፡ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ እንተገይርሉ መብዛሕትኡ ጸገም ክፍታሕ ከም ዝኽእል ይኣምን"።

ብኻልእ ወገን፡ ነቶም ደለይቲ ጎነጻዊ መንገዲ ዝደልዩ ድማ፡ ኣይፋልኩምን ክብሎም ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ብወገን ብልጽግና'ውን እንተወሲድካ፡ ክንእርሞ ዘለና ዝኾነ ገምጋም እንተሃልዩ፡ ንምፍታሽ ንምእራም ክንዘራረብ ንኽእል ኢና- ኢሉ።

ሃገርና ኣብ ፈተና’ያ ዘላ

ንሱ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ እታ ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ከም ዘላ ብምእማን ድማ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸገማት ምስቲ ለውጢ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽ።

“ለውጢ ድማ ብባህሪኡ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተወሰነ ቃንዛ ኣለዎ” እዩ ዝብል።

“ልክዕ ከም ሕማም ሕርሲ ለውጢ’ውን ሕማም ኣለዎ፡ እንተኾነ ግና ድሕሪ ሕማም ዝህሉ ተስፋ ጽቡቕ ስለዝኾነ፡ ከምታ ወላድ ንሕማም ሕርሲ ንጽሞሞ ኣለና።”

እቶም ጸገማት “ኣብ ቀረባ እዋን ክፍትሑ” ምዃኖም ብምግላጽ ድማ፡ “ከም ቀዋሚ ሽግር” ክርአ የብሉን በሃላይ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር፡ ኣብታ ሃገር ጸጥታውን ቁጠባውን ጸገማት ከጋጥማ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ንሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መድረኽ ደሞክራሲ ብምስፋሕ፡ ናጻ ፕረስ ብምፍቃድ፡ እሱራት ብምፍታሕን ጨቆንቲ ሕግታት ብምፍራስን ብምሕዳስን ናእዳ ረኺቡ’ዩ።

ይኹን እምበር መንግስቱ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተወሊዑ ዝነበረ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 5000 ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ሓያል ነቐፌታት ኣስዒቡሉ’ሎ።

ምዕጻው ሜድያታት

ናጽነት ፕረስ ብምፍቃዱ ክናኣድ ዝጸንሐ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሜድያታት ናይ ምዕፋን ድሌት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ነቶም ዓሌታዊ ግጭት ኣባልሑ ዝበሎም ሜድያታት ንምእራም ግን ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ እዩ ይብል።

“ሜድያታት ትግራይ፡ ውልቀሰባት ኣብ ምጽራፍን፡ ናይ ሓሶት ወረ እናነዝሑ ይውዕሉ ኣለዉ” ክብል ከሲሱ።

መንግስታዊ ሜድያታት’ውን፡ ንዘመነ ስልጣን ህወሓት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ ሰነዳዊ ፊልምታት ምድላዎም፡ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ተቛውሞታት ኣልዒሉ’ዩ።

ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ እውን፡ ማዕከናት ዜና ፌደራላዊ መንግስቲ ንህወሓት በቲ ናዕቢታት ዝኸስስ መደባት ምቕራቦም ይፍለጥ።

ምዕጻው ተሌቪዥናት ትግራይ፡ ኣካል ናይቲ ንዓሌታዊ ግጭታት ምብላሕ ዝኾና ሜድያታት ንምእራም ዝተወስደ ግዝያዊ ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላጹ፡ ክፍታሕ ዝኽል ምዃኑ ተዛሪቡ።

ጉዳይ ክልላዊ ምርጫ ትግራይ

“ኣብ ኣድላይነትን ግድነትን ምርጫ ኣፈላላይ ዘለና ኣይመስለኒን” ዝበለ ኣብዪ ንሓደ ዓመት ምጽማም ከም ዝካኣል’ዩ ዝምጉት።

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ይዝከር።

“ምርጫ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝግበር እናሃለወ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምንታይ ሚልዮናት ባጀት መዲቡ ክልላዊ መረጻ [ምባሉ] ዘገርም’ዩ።”

“ሚልዮናት ኣውጺኡ ምርጫ ካብ ዝገብር ክልተ ሰለስተ ደድጓድ ማይ ዘይኩዕት” ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ በይናዊ መስርሕ ምርጫ ከምዘየካይዶን፡ ዝኾነ ሎጀስቲካዊ ደገፍ ክገብር ከምዘይግደድን ድሕሪ ምግላጹ’ዩ፡ እቲ ክልል ነቲ ምርጫ ብናቱ ባጀት ከካይዶ ወሲኑ።

ህወሓት፡ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ምርጫ ካብ ምግባር ዝዓግት ከምዘይኮነ ብምምጓት፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዝጠልቦ ሕጋዊ ቅድመ ኩነት፡ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ይጓየ ኣሎ። ድሮ ኮሚሽን ምርጫ ቆይሙ፡ ቤት ጽሕፈቱን ተፈልዩሉ፡ ባጀቱ ተሰሊዑሉ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ንመስርሕ ምርጫ ክልል ትግራይ ንምዕንቃጽ ዝወስዶ ስጉምቲ ከምዘየለ’ዩ ኣተንቢሁ ዘሎ። ግብረመልሲ ፌደራላዊ መንግስቲ እንታይ ክኸውን’ዩ ዝብል ስክፍታታት ተፈጢሩ ምጽንሑ ይግለጽ።

“መንግስቲ ፌደራል ኣብ ናይ ክልል ጉዳይ ኢዱ ኣእትዩ ኣይፈልጥን ንቕድሚ’ውን ኣይገብርን” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ናይ ፌደራል ሓላፍነቱ ድማ ኣሕሊፉ ኣይህብን” ኢሉ።

ርክብ ምስ ኤርትራን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ተራ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ’ውን ከይተንከፈ ኣይሓለፈን።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ “ምስ ገለ ሃገራት” ዘለዋ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ትጽዕር ከም ዘላ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ምስ ግብጺን ሱዳንን ዝጸንሓ ምስሕሓብ ናብ ወጥሪ ገጹ የምርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኹ ንክልል ትግራይ ንምጉዳእ መደብ ኣለዎ ንዝብል ሕቶ’ውን፡"ካብ ኩሎም ክስታት ዝኸፍአን ጠገለ ዘይብሉን ክሲ እዩ" ብምባል ነጺግዎ።

“እቲ ርክብ ንሓውና ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዝጠቅም” ክኸውን ኣለዎ ብምባል፡ ናይ ትግራይ ጥራይ “ፍሉይ ረብሓ” የለን ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዛላምበሳ ብዕሊ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ተዓጸየ እዩ ዘሎ።

ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ሓላፍነት ፌደራላዊ መንግስቲ ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።

በቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ምዕዋቱ ይዝከር።