እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ደብረጽዮን፡ እንታይ እዩ ኢሉ?
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ድብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሓለፍቲ ውድብ ብልጽግና ንዝተዋህቡ ርእይቶታት'ውን ምላሽ ሂቡሉ።
ዶክተር ደብረጽዮን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ከዘራርብ ንዝቐነየ፡ 'ትግራይ ሕልፊ ትጥቀም ነይራ' ዘስምዕ ካብ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልጽግና ንዝተዋህበ ርእይቶ፡ 'ዓሌታዊ' ክብል ነጺጉዎ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ጉዳያት ወፃእን: ፓርቲ ብልጽግና ኣይተ ኣወል ኣብዲ: ቁፅሪ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣርስን ሲዳማን ብምንፅፃር 'ትግራይ ሓለፋ ዩኒቨርስታትን ህንፀት መንገድታትን' ከምዘለዋ ያኔታ ንዝተብሃለ ሚድያ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዘረብኡ ብዛዕባ ምቕረሐ ባጀት ኣመልኪቱ "ቁጽሪ ህዝቢ ሲዳማን ቁጽሪ ህዝቢ ትግራይን ማዕረ እዩ" ብምባል፡ እቲ ምቕረሐ (ክፍፍል ባጀት) ግን ብኡ ልክዕ ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ።
ዘረባ እቲ ሓላፊ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ዘነጻጸረ እኳ እንተኾነ እቲ ንክፍፍል ባጀት ዝምልከት ዘቕርቦ መረዳእታ ግን፡ ብቐጥታ ምስቲ ናይቲ ክልል ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ዘረባ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸመ ዝብሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንመራሕቲ ህወሓት ተሓተትቲ እዩ ዝገብር። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብሕጊ ይድለዩ ዝበሎም'ውን ኣብቲ ክልል ዓሪዶም ኢሉ ብተደጋገሚ ይነቅፍ እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ ግን ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ህዝቢ ንላዕሊ ተጠቃሚ ነይሩ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን።
እኳ ደኣስ፡ "ኣብቲ ዝሓለፈ ስርዓት፡ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ተጠቃሚ ዝነበረ ዝመስለኩም እንተሃሊኹም፡ ተጋጊኹም። ካብ ዝኾነ ካሊእ ህዝቢ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ" ብምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ብስም እቲ ህዝቢ ግን ክንገድ ከምዝጸንሐ ተዛሪቡ እዩ።
[ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ኤጀንሲ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ፡ ትግራይ ብብዝሒ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ዝነብር ማሕበረሰብ፡ ካብተን ክልላት ኣብ ቅድሚት ከም እትስራዕ የርኢ።]
ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ግን ኣብቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ካብ ሓላፊ ብልጽግና ዝተዘረበ፡ ናይቲ ውድብ ቅዋም ከምዝኾነን ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነን እዩ ተዛሪቡ። "ንምክትታሉ እንተዘይኮኑ እንታይ ከምዝሓስቡ ኣቐዲምና ንፈልጦም ኢና፡ ብሰንኩ ድማ ኢና ተፈላሊና" ምስበለ፡ ውድብ ህወሓት ምስ ብልጽግና ሓቢሩ ክቕጽል ዘይከኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ነቲ ዘረባ፡ ከምቲ ልሙድ፡ 'ዓሌታዊን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘነጻጸረን ኣተሓሳስባ' ክብል ድማ ነጺጉዎ።
ዶክተር ደብረጽዮን፡ ካብዚ ተበጊሱ፡ ውድብ ብልጽግና ምስ ኣሃደዊ ስርዓት ደርጊ'ውን ኣነጻጺርዎ።
"እዚ ካሊእ ደርጊ እዩ። ንደርጊ ብብረታዊ ቃልሲ ኢና ስዒርናዮ። ነዚኦም ድማ ብሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ክንስዕሮም ኢና" ከኣ ኢሉ።
"ኢሳት ዝበሃል ሚድያ ዝገብሮ ዝነበረ ጎስጓስ እዮም ዝደግሙ ዘለዉ" ክብል ድማ ነቒፉ።
ኢሳት እንታይ እዩ ኢሉ ነይሩ?
ኢሳት፡ ቅድም ክብል ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኮይኑ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 6 ነሓሰ 2016 መደቡ፡ ሓደ ጻውዒት ቃልሲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
"እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከምቲ ብልሙድ ኣብ ካልእ ዓለም ዝግበር ኣብ መንጎ ጨቋንን ተጨቋንን ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ዘልኣለም እናረገጽክኹም ክነብር ዝብል ዓሌትን ዝተረፈ ኢትዮጵያን እዩ። ዝጨነወ ዓሳ መወገዲኡ መንገዲ ሓደን ሓደን እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ዝኣጎለ ማይ ባሕሪ ምድራቕ እዩ" ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
ኢሳት ኣብዚ ጻውዒት፡ "95 ሚልዮን ን5 ሚልዮን ህዝቢ" ዝብል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘመሓላለፎ ዓሌታዊ ጸብጻብ፡ ብብዙሓት ተነቒፉ እዩ።
እዚ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ መደቡ ዝፍንው ዘሎ ኢሳት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝፈነዎ ዓሌታዊ ጸብጻቡ ይቕረታ ከምዝሓተተሉ እዩ ዝዛረብ። እቲ ቪድዮ ድማ ኣብ እዋኑ ካብ ድሕረ ገጹ ኣልዒሉዎ እዩ።
እንተኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ጎስጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ስለዝበጽሐ ብሕጊ ክሕተት ይጠልቡ እዮም።
ብልጽግና ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ?
ኣብ ቀረባ ጊዜ፡ ሓላፊ ፓርቲ ቤት ጽሕፈት ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ኮይኑ ዝተሾመ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚኪኤል: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣውራ'ምባ ዝተዛረቦ ድማ ካልእ ኣዘራራቢ ዛዕባ እዩ።
ኣይተ ነብዩ ኣብ ቃለ-መሓትቱ፡ "ኣብቲ ክልል ንሱ [ዶክተር ደብረጽዮን]፡ ርእሰ ምምሕዳር ኢለ ክጽወዖ እጽገም እየ" ምስበለ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ፡ 'ስለዚ ኣብ ከክንድኡ ኣብ ናቱ ቦታ ኣነ እየ ዘለኹ ዲኻ ትብል ዘለኻ ?' ኢሉ ንዘቕረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ "ከምኡ ክንብል ንኽእል ኢና። ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር: ኣመሓዳሪ ትግራይ ኣነ ምዃነይ እየ ዝፈልጥ። ኣብቲ ክልል ካልእ ርአሰ ምምሕዳር ዘሎ ኣይመስለንን" ክብል ተዛሪቡ ኣይተ ነብዩ ።
ዶክተር ደብረጽዮን ግን፡ እዚ ድራማ ዝመስል ዝበሎ ዘረባ፡ ብሕጊ'ውን ዘሕትት ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ።
"ትግራይ እንዳ ሽፍትነት ኣይኮነን። ከምዚ ናይ ቀደም ማንም ሽፍታ ተላዒሉ ኣነ ከመሓድረካ እየ ክብል፡ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ ዕብዳን እዩ ዘርእየካ። ምእንተ ሓለፋ ክትረክብ፣ ቅርሺ ክትረክብ፣ ጥቕሚ ክትረክብ ድራማ ትሰርሕ ማለት እዩ። ግን ብሕጊ ድማ ዘሕትት እዩ" ኢሉ።
ነዚ ድማ እዩ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብእተፈጥረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክፍጸም ዝተሓሰበ ፖለቲካዊ ምትእትታውን ሽርሕን ክብል ዝተዛረበ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ጉዳያት ወፃእን: ፓርቲ ብልጽግና ኣይተ ኣወል ኣብዲ ግን መብርሂ ሂብሉ እዩ።
ኣይተ ኣወል፡ የኔታ ንዝተብሃለ ሚድያ እንትዛረብ፡ "ህወሓት ካብቲ ውህደት ምውጻኡ መሰሉ እዩ። ከምኡ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ስዒሩ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት እዩ። ስለዚ ክሳብ ቀጻሊ መረጻ ዘመሓድር ህወሓት እዩ" ክብል ቅዋም ውድቡ ግልጺ ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽል መረጻ ግን፡ ብልጽግና ፓርቲ፡ ህዝቢ ኣእሚኑ ንህወሓት ክትክኦ ከምዝደሊ፡ ኣይተ ኣወል ይዛረብ።
"ነብይ ስሑል ወይ ካኣ ብልጽግና ፓርቲ ትግራይ ግን፡ ኣብቲ ክልል ልክዕ ከም ካልእ ዓይነት ውድብ ተነሓናሒ ውድብ እዩ። ስርሑ ይሰርሕ 'ምበር ምስ ደብረጽዮን ዘራኽብ ነገር የብሉን። ኣብቲ ክልል ተንቀሳቒሱ ስርሑ ንምስራሕ ከፍልጥ፡ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ ናይቲ መንግስታዊ ኣካል ግን፡ ናይ ነብዩ ወንበር ምስ ደብረጽዮን ዘራኽብ ነገር የብሉን። ንሱ ተቓዋሚ ውድብ እዩ" ክብል ኣብሪሁ ኣሎ።
ክልቲኦም ላዕለዎት መሪሕነት ብልጽግና ፓርቲ፡ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤልን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ተጻባእቲ መርገጺ እዮም ሒዞም።
ኣይተ ነብዩ፦ 'ኣነ እየ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ' ዝበለሉ ሕጋዊን ፖለቲካውን ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ናይ ብዙሓት ሕቶ ኾይኑ እዩ ቐንዩ።