'ኣባላት ብልጽግና' ብዝብል ኣብ ሚድያ ዝቐረቡ ተጋሩ 'ፖለቲዊ ድራማ ተሰሪሑና' ኢሎም

ብመንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ተጋሩ ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝርከብ 'ፓርክ ኣንድነት' ዑደት ከም ዘካየዱ ተቓሊሑ ነይሩ።

እቲ ዑደት 21 ለካቲት 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ ተኻይዱ።

በዚ ምክንያት፡ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ዝነበሩ ውልቀሰባት ብትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ቅርታ ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ።

ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ኤጀንሲ መረብ ድሕንነት መረዳእታ [ኢንሳ] ዝኾነ ውልቀሰብ ግን፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ 'ኣንድነት ፓርክ' ዝተረኸቡሉ ምኽንያት ዝተፈለየ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ዕለት፡ ካብ ኔዘርላንድስ ዝተመልሰ ዘውዲ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ስላሴ ጨለቖት መሰነይታ ስለ ዝግበረሉ፡ ኣብ ብሄራዊ ቤተመዘክር ክትርከቡ ብዝብል፡ ንዕኡ ሓዊሱ መጸዋዕታ ዝተገበረሎም ዝበዝሑ ተጋሩ ከም ዝነበሩ ይገልጽ።

"ሰብ ክሳብ ዝተኣኻኸብ ግን ናብ ቤተመንግስቲ ኣቲኹም ኣብ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ግበሩ ተባሂልና ናብቲ ፓርክ ኣቲና" ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ 'ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ስእሊ ብምስኣልን ግን ብሽምና ተጋሩ ኣባላት ፓርቲ ብልጽግና ዑደት ኣካይዶም ዝብል ዜና ተሰሪሑ' ይብል።

እቲ ዝሰርሓሉ ትካል፡ ሰራሕተኛታቱ ኣባል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ክኾኑ ኣብ ዘየፍቅደሉ ኩነታት፡ እዚ ኣጋጣሚ 'ንፖለቲካዊ ኸስቢ' ክውዕል ምግባሮም ከም ዘሰንበዶን ከም ዘሕዘኖን ተዛሪቡ። ካልኦት መሳርሕቱ'ውን በዚ ዜና ከም ዝሓዘኑ ገሊጹ።

ብድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈትሐ ኣይተ [ኮሎኔል] ቢንያም ተወልደ'ውን ኣብቲ 'ኣባላት ፓርቲ ብልጽግና ጨንፈር ትግራይ ኣብ ቤተመንግስቲ - ኣንድነት ፓርክ ዑደት ኣካይዶም' ብዝብል ዝቐረበ ዜና ምስሉ ተራእዩ ነይሩ።

"ፋና ነቲ ዜና ክፍንዎ ከሎ ርእየዮ ኣለኹ" ዝበለ ቢንያም፡ ኣብቲ ዑደት ዝተረኸበሉ ብኣጋጣሚ'ምበር ኣቐዲሙ ብዝተትሓዘ ፕሮግራም ከም ዘይነበረ እዩ ዝዛረብ።

"ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጻእኹ ኣብ ቅሊንጦን ቃሊቲን ዝተኣሰሩ ካልኦት ብጾተይ ንምሕታት ከይደ ነይረ። ነቶም ከይተፈትሑ ተሪፎም ዘለዉ እሱራት ምስ ረኣኽዎም ድማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከቡ ስለ ዝተረዳእኹ እንተኽኢለ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተራኺበ ንኽፍትሑ ሕቶ ከቕርብ ድልየት ነይሩኒ" ይብል።

ብዘይካ'ዚ ምስቲ ን14 ዓመት ዝፈልጦን ሓቢርዎ ዝሰርሐን ቀዳማይ ሚንስትር "ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ክዕጾ ስለ ዝነበሮ ብዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣቢለ ክረኽቦ ፈቲነ። ንሶም እውን [ዶክተር ኣብዪ] ድልየት ስለ ዝነበሮም ክንራኸብ'የ ናብቲ ቤተመንግስቲ ከይደ" ክብል ድማ ነቲ ምኽንያት ይገልጽ።

"ኣብ ቤተመንግስቲ ምስ ተረኸብና ግን 'ናብ ትግራይ ዝምለስ ዘውዲ ስላሰ ጨለቖት ስለ ዘሎ ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ሰባት ኣለዉ'ሞ፡ ምስኦም ሓቢርኩም ኣብ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ኣካይዱ ክብሉ ነቶም ካብ ቤትማእሰርቲ ዝወጻእና ሰባት ዕድመ ኣቕሪቦምልና። ኩላህና ድማ ኣብኡ ተሳቲፍና" ዝበለ ቢንያም እቲ ኣጋጣሚ ምስ ፓርቲ ብልጽግና ዘራኽብ ጉዳይ ከም ዘይነበሮ ገሊጹ።

ኣብቲ ዑደት ምስ ገለ መሳርሕቱ ነበር [ኢንሳ ኣብ ዝነበረሉ] ከም ዝተራኸበን ሓቢሮም ዑደት ከም ዝገበሩን ብምዝኽኻር "ቪድዮታት ይቕረጽ ከም ዝነበረ ደሓራይ'ዩ ተረዲኡኒ፤ ከምዚ ዓይነት ናይ ሚድያ ኣሽካዕላል'ውን ክስራሕ ከም ዘይብሉ ተረዳዲእና ስለ ዝነበርና ነዐአን ከምልጠን ፈቲነ ኣብ ዝኾነ ቦታ ግን ዝቐረጽዋ ኣላ፤ ንሳ እያ ወጺኣ ዘላ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

"ብመሰረቱ ኣብ ዝነበርኩሉ ትካል [ኢንሳ] ኣባል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ክትኸውን ኣይፍቀድን ነይሩ። ስለዚ ካብ ቀደም ኣባል ዝኾነ ይኹን ውድብ ኮይነ ኣይፈልጥን፤ ሕዚ'ውን ኣይኮንኩን፤ ኣባል ንምዃን ዝዕቅነሉ መነጽር ስለ ዘለኒ ድማ ኣባል ብልጽግና ዝኾነሉ ዕድል ዜሮ እዩ" ኢሉ።

እዚ ቅረታ ብዝምልከት ኣተሓባበሪ ኣባላት ብልጽግና ፓርቲ ትግራይ፡ ዶክተር ኣብርሃም፡ በላይ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምስ ሰምዓ መልሲ ከይሃበ ስልኩ ዓጽዩ። ደጋጊምና ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተና ድማ ኣይሰመረን።