እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብጉጀለ ኦል ፓርላሜንት ዝተጻሕፈ ደብዳበ ነጺጉዎ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብኦል ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (ኤፒፒጂ) ፎር ኤርትራ ፡ 'ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ከጋጥማ ይኽእል እዩ' ክብል ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ዝጸሓፎ ደብዳበ መሰረት ዘይብሉ'ዩ ክብል ነጺጉዎ።
እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤፒፒጂ ፎር ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ክቕይሩ ናይ ዝደልዩ ወገናት ልሳን ኮይኑ ዘገልግል ካብቶም ሒደት ጸላእቲ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ክብል ከሲስዎ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ንጉዳያት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ ካብ ሓያሎ ሰልፍታት ዝተኣከቡ፡ ኣባላት ፓርላማን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን፡ ብ04 ሕዳር ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥርን ኵናትን፡ ንኤርትራን እቲ ከባብን ክጸልዎ ስለዝኽእል፡ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጎንጺ ብዝቐልጠፈ ንኪዓርፍ ክጽዕር ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ልኢኾም ነይሮም።
እቲ፡ ትግራይ፡ ካብ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዩጵያን መንግስቲ ኤርትራን ስግኣት ከምዘለዋ ዝጠቅስ ደብዳበ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይዓረገ፡ ልዝብ ንኽፍጠር ፖለቲካዊ ደገፉ ከበርክት ይሓትት።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ነቲ ብኦል ፓርላሜንታዊ ግሩፕ ዝቐረበ ደብዳበ ብዘየወላውል መገዲ ነጺጉዎ ኣሎ።
ነቲ መሰረት ኣልቦ ዝበሎ ናይቲ ጉጅለ ሓሳብ ድማ "ናይ መሃይም ዘረባን ክፍኣት ዝመልኦን" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኤፒፒጂ ፎር ኤርትራ ዝተባህለ ጉጅለ ፖለቲካውያን ኣባላት ባይቶ፡ "ትግራይ ብሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ እንተተፈልያ መንግስቲ ብሪጣንያ ነታ ሓዳሽ ሃገር ትግራይ ኣፍልጦ ክህባ ንጽውዕ" ዝብል መልእኽቲ እውን ነይሩዎ።
ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣየውጽአን።
ኵናት እንተቐጺሉ፡ ሞትን ዕንወትን ክስዕብን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከጋጥሞ ስለዝኽእል ብዝቐልጠፈ ብፖለተካዊ ዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝጽውዑ ሓይልታት ብዙሓት እዮም።
ናብ ሮቡዕ 04 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ህወሓት ኣብ መቐለን ክልል ትግራይን ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱ። ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ከኽብሩ መምርሒ ሂቡ።
ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኩናት ይካየድ ከምዘሎ ክልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ዝርዝር መግለጺ ግን ኣይሃቡን። ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩናት ከኣ ደላይ ሰላም ሕብረተሰብ ዓለም ክልቲኦም ወገናት ብዝቐልጠፈ ናብ መኣዲ ዘተ ክምጽኡ ይጽውዑ ኣለው።
እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ ዝበሃል መን እዩ?
ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (An all-party parliamentary group - APPG) ብዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣባላት ባይቶ ሃውስ ኦፍ ኮመንስን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን ዝቖመ ጸግዕን ወገንን ከይሓዘ ንፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዘጋጥም ነገራት ዘረድኡን ነቲ ብደሆታት ዝገጥም ፖሊሲ ንክወጽእ ዝደፍኡን ዝጸልውን ምኩራት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያ እዮም።
እዞም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ፖርቲ ዘየለዉ ኣገልግሎቶም ዝፈጸሙ ካብ ንጡፍ ስራሕ ዝተኣልዩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ ዝውደብ ኣኼባኦም ንግዱሳት መሻርኽትን ምኒስተራት ጸዊዐም ድምጾም ክህቡን ኣብ ኣገዳሲ ነገር ምጽራይ ንኽግበር ዝጸልውን ፖለቲከኛታት እዮም።