ካናዳ፡ ፋስ ሒዙ ኣብ መስጊድ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Google
ኣብ ካናዳ ትማሊ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ሓደ መስጊድ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሶላት እንዳገበሩ እንከለዉ ፋስ ሒዙ ዘቃጽል ፈሳሲ ብምንጻግ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።
እቲ ወዲ ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ዝኸኣለ እቶም መእመናን ምስኡ ሓዝ ክሕዝ ገጢሞም ድሕሪ ምጽንሖም’ዩ ተባሂሉ።
ሓደ መእመን ነቲ ወዲ ፋሱ ኣሕዲጉ ፖሊስ ክሳብ ዝመጽእ ፊሒት ከይብል ኣብ ምድሪ ቤት ኣደቂሱ ከምዘጽንሖ መራኸቢ ሓፋሽ ካናዳ ጸብጺቡ።
ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ወዲ 24 ዓመት ኣብ ደንደስ ባሕሪ ከተማ ሚሲሳውጋ ተታሒዙ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ተገሊጹ።
እቲ ክሱስ ወዲ ብዝነጸጎ ፈሳሲ ምኽንያት ገለ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ መእመናን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኢማም ናይቲ መስጊድ ተዛሪቦም።
ካብቶም መእመናን ሓደ ነቲ ክስተት “ዘፍርሕ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ እቲ ወዲ ፋስ ሒዙ ምስ በርበረ ዝመሳሰል ፈሳሲ ኣብ ሰለስተ ሰባት ቅድሚ ምንጻጉ ኣውያት ከምዝተሰምዐ ሓቢሩ።
“እቲ ወዲ ነቲ ፈሳሲ ክነጽጎ እንከሎ ኣብ መጀመርታ መስርዕ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ነገር ተረዲኦም። ካብኡ ንድሓር ሓደ ማእጋር መንእሰይ ምስ እቲ በዓል ፋስ ገጢሙ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ነቲ ፋስ ኣሕዲጉዎ” ክብል ኑራኒ ሴራሊ ንሓደ ኣብ ካናዳ ዝመደብሩ ጋዜጣ ዘ ግሎብ ኤንደይ መይል ገሊጹ።
እቲ መንእሰይ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ክሳብ ዝበጽሕ ነቲ ወዲ ሒዙ ከምዘጽንሖ ምስክርነቱ ሂቡ። ኢማም ናይቲ መስጊድ ኢብራሂም ሂንዲም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ወዲ ናብቲ መስጊድ ዝኣተወሉ ክስተት ከብርሁ እንከለዉ “ኣብቶም ኣመንቲ ጉድኣት ቅድሚ ምብጽሑ ብዙሓት መእመናን ነቲ ተግባር ብጅግንነት ገቲኦሞ” ኢሎም።
“ማሕበረሰብና ኣይክስበርን፤ እምቢ ንመጥቃዕቲ ኢልና ኢና” ክብሉ ኢማም ኢብራሂም ገሊጾም። ፖሊስ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ሞሓመድ ሞይዝ ዖማር ከምዝበሃል ዕላዊ ገይሩ’ሎ።
እቲ ውልቀሰብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ብምእታው፣ በሊሕ ነገር ተጠቒምካ ኣካል ደቂ ሰባት ንምጉዳል ሓሲብካ ብዝብሉን ሓዊስካ ብ6 ገበናት ተኸሲሱ።
ኣብቲ ፈለማ እዋን እቲ ወዲ ስለምንታይ ነቲ ድርጊት ከምዝፈጸሞ ርግጸኛ ምዃን’ኳ እንተዘይተኽኣለ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መርመርቲ ፖሊስ “ብጽልኢ ተለዓዒሉ” ዝተፈጠረ ክስተት’ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶ ነቲ ተግባር ካብ ዝኾነኑ ውሩያት ሰባት ሓደ ኮይኑ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ዓርሰ እምነት ናይቶም ኣብቲ መስጊድ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ኒኢዱ።
ማሕበረሰብ ሙስሊም ካናዳ ኣብ 2017 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ንሹድሽተ ሰባት ዝቐተለን ካልኦት 8 ሰባት ዘቑሰለን ኣብ ከተማ ኪዩቤክ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓዊስካ ብዙሓት መጥቃዕቲ በጺሕዎ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እንተኾነ ኣርባዕተ ናይ ሓንቲ ሙስሊም ስድራቤት ኣባላት ብመኪና ተገጭዮም ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ፖሊስ ነቲ ክስተት “እስላማዊ ጽልኢ ብዘለዎም ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







