ኖርወይ፡ ብቀስቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Hakon Mosvold/NTB/via Reuters
ኣብ ኖርወይ ሓደ ሰብኣይ ቀስቲ (ማንቲክ ክራማ) ብምጥቃም ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።
ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ኦስሎ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ኮንግስበርግ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ሓበሬታ በጺሕዎ።
ሓደ ወዲ 37 ዓመት ዴንማርካዊ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
ዛጊት ፖሊስ፡ እቲ ሰብ ንበይኑ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ከም ዝኣምንን፡ እቲ ተግባር ግብረሽበራዊ እንተኾይኑ ጌና ምጽራይ ክግበር ምዃኑን ሓደ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ኤርና ሶልበርግ ነቲ ኩነታት "ዘርዕድ" ክትብል ገሊጻቶ።
"ብዙሓት ሰባት ፈሪሖም ከም ዘለው ይርድኣኒ እዩ፤ እንተኾነ ግና ፖሊስ ነቲ ኩነታት ተቖጻጺሮምዎ ምህላዎም ከረጋግጸልኩም እደሊ" ክትብል ንጋዜጠኛታት ምዝራባ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ውልቀሰብ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ኮንስግበርግ ኣብ ዝርከብ 'ኩፕ ኤክስትራ' ኣብ ዝበሃል ዓቢ ድኳን ከም ዝጀመሮ ይግለጽ።
ወሃቢ ቃል እቲ ድኳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ሰራሕተኛታቱ ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየሎ ገሊጹ።
ሓንቲ ምስክር ዓይኒ 'ቲቪ2' ንዝተባሃለ መደበር ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ቃል ጭራሕ ምራሕ ከምዝሰምዐትን ሓንቲ ሰበይቲ ክትሕባእ ከም ዝረኣየትን ብድሕሪኡ "ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዝባኑ ፍላጻታት ዘለዎ ጉልድባ ተሰኪሙ ኣብ ኢዱ ድማ ቀስቲ ሒዙ" ከም ዝረኣየት ምዝራባ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
እቲ ጥርጡር ኣብ ብዙሕ ክፋላት እታ ከተማ ምንቅስቓሱ ዝገለጹ ሰብመዚ፡ ነበርቲ ኣብ ገዛ ክጸንሑ ብምሕባር ንብዙሕ ከባቢታት ከሊሎም ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







