ኖርወይ፡ ድሕሪ 9 ዓመታት ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ዝተረኸበ ሬሳ ሓደ ሰብ ሕቶታት ኣለዓዒሉ

ኦስሎ

ኣብ ኖርወይ ኣብ ቤቱ ሞይቱ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ዝተረኸበ ሬሳ ሓደ ውልቀሰብ፡ ሕቶታት ከምዘለዓዓለሉ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 60ታት ዝርከብ ውልቀሰብ፡ ካብ ዝመውት ትሽዓተ ዓመታት እኳ እንተቑጸረ፡ ምሟቱ ከይተፈለጠ እዩ ጸኒሑ።

ፖሊስ ኖርወይ፡ ንማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ሬስኡ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ መንገሪ ገዝኡ ዝፀንሐ ውልቀሰብ፡ ጠፊኡ ወይ ንኽንድዚ ዓመታት ኣይተረኣየን ዝብል ጥርዓን ከምዘይበጽሖ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ: ሬሳ ናይቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከተማ ኦስሎ እዩ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ረኺብዎ።

ማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሬሳ ወናኒ እቲ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ዓቢ ህንጻ ጽገናታት ክገብረሉ ኢሉ ናብቲ ገዛ ምስ ኣተወ እዩ፡ ነቲ ሬሳ ረኺብዎ።

ፖሊስ ኣብቲ ጥቃ እቲ ሬሳ ዝተረኸበ ናይ ጸባ ጎማታትን መዋቲ ዝተለዋወጦ ደብዳቤታትን ብምርኣይ፡ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሚያዝያ 2011 ከምዝሞተ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ገሊጹ ኣሎ።

ሓለፊ ምርመራ ገበን ፖሊስ ከተማ ኦስሎ ግሬት ሊየን ንዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ “ኣነን መሳርሕተይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈላለየ መርመራታት ገበን ገይርና ኢና፡ እዚ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ፡ እዚ ውልቀሰብ ንኽንድዚ ዓመታት ከመይ ኢሉ ከምዝሞተ ወይ ከምዝጠፈአ ከይተፈለጠ ጸኒሑ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስከሬን ብዝተገበረ መርመራ፡ እቲ ውልቀሰብ ብተፈጥሮኣዊ ሕማም ከምዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኖርወይ ምምሕዳር ድሕነትን ጡረታን፡ ካብቲ ውልቀሰብ ዝኾነ መልሲ ስለይረኸበ፡ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ናብቲ መዋቲ ዝሰዶ ዝነበረ ናይ ጥሮታ ሰልዲ ምስዳድ ከምዘቋረጾ’ዩ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ሬስኡ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ዓሚቕ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ግን፡ እቲ ውልቀ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝነበረን ከምዝወለደን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ፖሊስ ከተማ ኦስሎ “ኣብቲ ገዛ ብዝረኸብናዩ ኣሳእል ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ውልቀ ሰብ ምስ ሰብ ብዙሕ ምሕዋስ ዘይፈቱ ምንባሩ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ድሕሪ ምባል፡ ነዚ፡ ጎሮባብቲ ናይቲ ዝሞተ ሰብኣይ’ውን ከምዘረጋገጽሉ ሓቢሩ።

እዚ ውልቀሰብ ንትሽዓተ ዓመታት ምሟቱ ከይተፈለጠን ብዛዕብኡ ዝሓትት ዘይምርካቡን እታ ብቴክኖሎጂ ካብ ዝማዕበላ ሃገራት እትስራዕ ኖርወይ፡ ሕብረተሰብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ምቕርራብ ክሳብ ክንደይ ልሕሉሕ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።