ኦሜግል፡ ቆልዑ ኣብቲ ናይ ‘ቪድዮ ቻት’ ድሕረገጽ ገዛእርእሶም የቃልዑ ኣለው

መጠንቀቕታ: እዚ ጽሑፍ፡ ረባሺ ጾታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ
ቢቢሲ ኣብቲ ህቡብነት እናረኸበ ዝመጽአ መርበብ ሓበሬታ ኦሜግል ብዝገበሮ መጽናዕቲ ትሕቲ ዕድመ ኣወዳት ኣብ ቅድሚ ዘይፈልጥዎም ሰባት፡ ብግሉጽ ንኣካላቶም ክተናኽፉ የቃልዕ ምህላው ኣረጋጊጹ።
ኦሜግል ብገምሪ ሰባት ኣብ ማንዛ ተራኺቦም በቪድዮን ብጽሑፍን ከዕልሉ ዝገብር መርበብ ኮይኑ፤ ክትትል ከም ዝግበረሉ እኳ እንተሓበረ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነን ዘሰንብድን ትሕዝቶታት ብብዝሒ ከም ዝረኣዮ ይግለጽ።
ንድሕነት ቆልዑ ዝጣበቑ ዓለምለኻዊ ጉጅለታት፡ በቶም ብመንገዲ እቲ መርበብ ናይ ተጠቀምቲ ትሕዝቶታት ጾታዊ ዓመጽ ዝምእርሩ ሃደንቲ ከም እተሻቐሉ ይሕብሩ።
መስራቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ለይፍ ኬ ብሩክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መርበቡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ምክትታል ጻዕርታቱ ከም ዘዛየዶ ተዛሪቡ።
ሰምሩሽ ብዝተባህለ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ዝተኣከበ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሓዊ በጻሕቲ እቲ መርበብ ካብ 34 ሚልዮን ናብ 65 ሚልዮን ዓብዩ ኣሎ።

እቲ ዕብየት ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ህንድን ሜክሲኮን ልዑል እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ 61% ዕብየት ክምዝገብ እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብቲ መርበብ ዝበጽሑ ሰባት 3.7 ሚልዮን ሰባት ዝበዝሑ ትሕቲ 34 ዓመት ኮይኖም ካብ መንጎኦም ብዙሓት ንኡሳት ይርከብዎም።
ኦሜግል: ብዙሓት ሰዓብቲ ኣብ ዘለዎም ፍሉጣት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ዛዕባ ካብ ዝኸውን ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለው።
ኣብ ቲክቶክ፡ "ኦሜግል" ዝብል ጽሑፍ ዝተለጠፎም ቪድዮታት ልዕሊ 9.4 ቢልዮን ጊዜ ተራእዮም ኣለው።
ቲክቶክ፡ ብመሰረት ርኽበታት እዚ ብቢቢሲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ነቶም ናይ ኦሜግል ጥብቆ ዘለዎም ቪድዮታት ከም ዝኣገደ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ዝኾነ ተጓዳኢ ናይ ኦሜግል ትሕዝቶ ኣብ መድረኹ ከም ዘይረኸበ ዝገለጸ ቲክቶክ ነቲ ቪድዮታት ምክትታል ክቕጽሎ ምዃኑ ግና ኣፍሊጡ።
ጓል 15 ዓመት ኣሜሪካዊት ኬይራ ኣብዚ እዋን "ኩሉ ተጠቃሚ ቲክቶክ ኣብ ኦሜግል ክኣቱ ግዜ ዘምጽኦ ኮይኑ ከም ዘሎ" ብምግላጽ ንሳን መሓዙታን ክትምለሶ ምዃና ትዛረብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ኖርወይ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሓይልታት ፖሊስን ትካላት መንግስትን ብዛዕባ እቲ መርበብ ሓበሬታ መጠንቀቕታት ኣውጺኦም እዮም።

ቢቢሲ ንከባቢ 10 ሰዓታት ኣብ ኦሜግል ኣብ ዝገበሮ ምክትታል፡ ደቂ ሸውዓተን ሸሞንተን ዓመት ምስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ክራኸብ ክኢሉ እዩ።
ኦሜግል ተጠቀምቱ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክኾኑ ከም ዘለዎም እኳ እንተገለጸ፡ ከረጋግጸሉ ዝኽእል ዝኾነ ብልሓት ኣየቐመጠን።
ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት፡ ብገምሪ ምስ 12 ግብረሕቡእ ዝፍጽሙ፡ ሸሞንተ ሕፍረቶም ዝቐልዑ ሰብኡትን፡ ሸውዓተ ናይ ወሲብ (ፖርኖግራፊ) መወዓውዒታት ረኺቡ።
ኣብ ጾታዊ ተግባራት ዝሳተፉ ህጻናት
ብገምሪ ክልተ ግዜ ብቪድዮ ግብረሕቡእ ምስ ዝፍጽሙ ቆልዑ ተራኺብና። እቲ ሓደ ወዲ 14 ዓመት ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ኣጋጣሚታት ኣይቐረጽናዮን፡ ብቕልጡፍ ብምቁራጽ ንዝምልከቶም ሓቢርና።

ኣፈኛ ሃገራዊ ማእከል ዝጠፍኡን ግዳያት ምምዝማዝ ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "እቲ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘለዎ ትሕዝቶ ዝረኸብኩምሉ ፍጥነት፡ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ ዕድመ ምርግጋጽ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘረጋግጽ" ሓቢራ።
ወናኒ እቲ ድሕረገጽ ዝኾነ፡ ሚስተር ብሩክስ፡ ቃላት ተጠቂምካ ኣብቲ ድሕረገጽ ትእልሸሉ ኣገባብ ከም ዝኣለዮ እኳ እንተሓበረ፡ ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
'ባዕላዊ ናይ ዓመጽ ትሕዝቶታት'
እቲ ኣብ ኢንተርነት ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘለዎም ስእልታትን ቪድዮን ረኺቡ፡ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ምክትታል ኢንተርነት (IWF) ውጽኢት እቲ ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ ከም ዘሻቐሎ ሓቢሩ።
"ባዕላዊ ትሕዝቶታት ዓመጽ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ፈቐድኡ ረኺብና ኣሎና፤ ነቲ ቪድዮ ካብ ኦሜግል ሰኒዶም ዝዝርግሕዎ ሃደንቲ እዮም" ይብል ዳይሬክተር ርክባት እቲ ትካል ክሪስ ሃገስ።
"ገለ ካብቶም ዝረኣናዮም ቪድዮታት፡ ውልቀሰባት፡ ኣብ ፊት ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ከፍጽሙ የርእይ፤ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ተግባራት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምስ ወለዶም ዝቕመጡ እዮም ዝፍጽምዎ። ኣብ ገሊኡ እቶም ወለዲ ንደቆም ንሻሂ ክወርዱ ክጽውዕዎም፡ ብድሕሪት ዘረባ ትሰምዕ" ኢሉ።
ኣብ 2020 ልዕሊ 68,000 ጸብጻባት ናይ ባዕላዊ ጾታዊ ዓመጽ ትሕዝቶ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣይ-ዳብሊው-ኤፍ፤ እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ77% ከም ዝዓበየ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ሓንቲ ተሞክሮኣ ንቢቢሲ ዘካፈለት ብሪጣንያዊት፡ ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓላ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ሓደ ሰብኣይ ንጾታዊ ተግባር ዳርጋ ተቐሲባ ምንባራ ሓቢራ።
"ጓለይ ብዙሓት ሰባት ኦሜግል ከም ዝጥቀሙ ዝገልጹ ገለ ቪድዮታት ብብዝሒ ኣብ ቲክቶክ ክዝርጋሕ ምስ ረኣየት፡ ነቲ ድሕረገጽ ፈቲሻ ረኺባቶ፤ ክትኣትዎ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፤ ዝኾነ ናይ ዕድመ ቀይዲ'ውን የብሉን።
"እቶም ሰባት ኣዚኺ ጽብቕቲ ኢኺ ይብልዋ ነይሮም። ጓል ትሽዓተ ዓመት ጥራይ ምዃና እኳ እንተነገረቶም ንሳቶም እዚ ኣየጸገሞምን። ሓደ ሰብኣይ ግብረ ሕቡእ እናገበረ ርእያ፤ ካልእ ድማ ምስኣ ክጻወት ከም ዝደልይ ነጊርዋ።
"ክትስዕስዕን ክዳውንታ ክተውጽእን ሓቲትዋ [ብቪድዮ እናኣርኣየቶ]፤ ግና ኣይገበረቶን" ኢላ።
ቢቢሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ንኦሜግልን መስራቲኡ ለይፍ ኬ ብሩክስን ንምርካብ እኳ እንተጸዓረ ንኦሜግል በቲ ድሕረገጽ ጌርካ ምርካብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኮይኑ እዩ ረኺብዎ።
ናብቲ ብሩክስ ምስ ካልኣዩ ብምዃን ዝመስረቶ ትካል ኦክቴን ኤ-ኣይ ዝተፈላለዩ ሽዱሽተ ኢመይላት ድሕሪ ምልኣኽ፡ ኣብ መወዳእታ ምላሽ ሂቡ።
ንሱ መርበብ ሓበሬትኡ ክትትል ከም ዝግበረሉን፡ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሞኦም ሰባት ምስ ዝኣትው ኣብቲ መርበብ ከም ዝእገዱ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ ኣብ 2020 ነቲ ናይ ምክትታል ጻዕርታት ከም ዘሐየሎ ተዛሪቡ።
"ምሉእ ብምሉእ ኣበር ኣልቦ ምዃን ዘይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ኦሜግል ዝገብሮ ምክትታል ነቲ መርበብ ጽሩይ ክኸውን ጌሩ እዩ፤ ብዙሓት ሃደንቲ'ውን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣኽኢሉ እዩ" ኢሉ።
እቲ ኣብቲ ድሕረገጽ ዝር ወሲባዊ መወዓውዒታት ፖርኖግራፊ፡ ዕድመ ኣብ ግምት ዘእተው ምዃኖም'ኳ ብሩክስ እንተገለጸ እቲ መርበብ መረጋገጺ ዕድመ ዝጥቀም ብዘይምዃኑ እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣየነጸረን።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







