ኣሜሪካን መሻርኽታን ሰብኣዊ ረድኤት ብቐጥታዊ በረራ ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኣማራጺ ዘትዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማንን ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ልምዓታዊ ሓገዝ ኣሜሪካ [ዩኤስኤኣይዲ] ሳምንታ ፓወርን ምስ ሃገራት ጉጅለ-7 ከምኡ’ውን ተወከልቲ ካልኦት ሃገራት ንጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝጠመተ ኣኼባ ትማሊ ሰሉስ ኣካይዶም።
ኣብቲ ኣኼባ ካናዳ፣ ዴንማርክ ፣ሕብረት ኣውሮጳ ፣ፊንላንድ ፣ፈረንሳ ፣ጀርመን ፣ኣየርላንድ፣ ጣልያን፣ጃፓን፣ ኔዘርላንድስ፣ ኖርወይ፣ ስዊድንን ዓባይ ብሪጣኒያን ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ።
በቲ እናሓሰመ ይመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ልዑል ሻቕሎቶም ከምዝገለጹ ዘመልከተ መግለጺ ትካል ሓላፊት ዩኤስኤኣይዲ ሳማንታ ፓወር፤ ክገብርዎ ኣብ ዝኽእሉ ሓገዝ እውን ከምዝተዘራረቡ ሓቢራ።
“እቲ ልዕሊ 11 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ካብ 6 ክሳብ 7 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ሓደጋ ሕጽረት ውሕስና መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ ትግራይ ድማ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ንኩነታት ዓጸቦ ተቓሊዖም ይርከቡ” ይብል እቲ መግለጺ።
መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ልዕሊኡ ዘይግቡእ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ከምዝገብርሉ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ መግለጺ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ኣብ ትግራይ ሰባት ንመዓልታት መግቢ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ድማ ኣቑጽልቲ ክምገቡ ዝጀመርሉ ኩነታት ከምዘሎ'ቲ መግለጺ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ኣተዓናቒፉ ዝብል ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜት ተኸሲቱ ኣሎ ዝብል መረዳእታ'ውን ዓይቕበሎን።
እኳደኣስ፡ ንሓይልታት ትግራይ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ክልላት ኣስፊሖሞን ዕንቅፋት ፈጢሮምን ክብል ይኸስስ።
እተን ናብ ትግራይ ረድኤት ሒዘን ዝኸዳ ብዙሓት ናይ ጽዕነት መኻይን ድማ ከምዘይተመልሳን፤ እቶም ሓይልታት ንረብሐኦም የውዕልኡዎን ከምዘለዉን ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒሰተር ቢልለኔ ስዩም ገሊጻ ነይራ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እተን መካይን ዝምለሳሉ ነዳዲ ከምዘይብለንን እቶም መራሕቲ መካይን ኣብ ክልል ዓፋር ኣደዳ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑን ክምለሱ ከምዘይደልዩን ይገልጹ።
ተሳተፍቲ ካልእ እንታይ በሉ?
ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዓለምለኸ ለገስቲን ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ከምዘለዎም ዝተሰማምዑ ተሳተፍቲ፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን ዝተፈለየ ኣማራጽታት ከናድያ ዘገድድ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ሰብኣዊ ረድኤት ብቐጥታዊ በረራ ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኣማራጺ ከምዝዘተዩ እቲ መግለጺ ይሕብር።
“ናብ ትግራይ ኣብ ዝበጽሕ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝተገበረ ገደባት ንኽለዓል ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ኩሎም ወገናት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክካየድ ንምግባር ዝተዋደደ ስጉምቲ ይጠልብ” ኢሎም።
“ኣሜሪካን መሻርኽትና ዝኾኑ ለገስቲ ኣካላትን ነቲ ሓደገኛ ጸለመ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምኡ’ውን ሲቪላት ኣብ ባይታ ይበጽሖም ንዘሎ ሓቂ ንምሽፍፋን ዝዝርግሑ ዘጋግዩ ሓበሬታታት ይኹንኑ” ዝበለት ሓላፊት ዩኤስኤ ኣይዲ ሳምናታ ፓወር፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍርራሕን ደው ክብል ኣተሓሳሲባ።
ህይወት ንጹሃን ዜጋታት ኣብቶም መንግስቲ ኢትዯጵያ ዝወስዶም ስጉምትታት ቅልጡፍ ምምላስ ኣገልግሎት መራኸቢ፣ ባንኪን ካልኦት ወሰንቲ ኣገልግሎታት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምኡ’ውን ምሉእ ዝኾነ ምኽፋት ኮሪደራት መጓዓዝያን በረራ ኣየርን ከምዝምስረት ለገስቲ ተሰማሚዖም።
“ኣብዚ ኩነታት ቅልጡፍ ለውጢ ክግበር እንተዘይኪኢሉ ግን ትካላት ረድኤት ንዝገብርዎ ሓገዝ ክገትኡ ክግደዱ እዮም። ሆስፒታላትን ማእኸላት ጥዕናን እውን ቀረባት ሕክምና ወዲኤን ኣለዋ” ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ ኩሎም መገዲ መራኸቢታት ተዓጽዮም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ውድብ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል በመንግስቲ ኢትዮጵያ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕጽዋ' ከምዝተኣወጀ ክገልጽ ጸኒሑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







