'ፈለስቲ ከይተረፋ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ይርእያ እየን'፡ ጳጳስ ፍራንሲስ

ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብኢንተርነት ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣመልኪቶም ንካህናትን ፈለስትን ኣጠንቂቘም።

እቶም ጳጳስ፡ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ (pornography) “ንካህናታዊ ልቢ ዘድክም’ዩ” ኢሎም።

እቶም 86 ዝዕድመኦም ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዲጂታልን ማሕበራዊ ሚድያን ብኸመይ ንዝሐሸ ረብሓ ክውዕል ከም ዘለዎ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝሃቡ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስልታት ግብረ ጽዩፍ፡ “ብዙሓት ሰባት ዝርእይዎ እከይ እዩ፣ ዋላ ኣቕሽትን ፈለስትን እንከይተረፉ” ብምባል፡ ነቲ ተግባር ኰኒኖምዎ።

እቶም ጳጳስ ንካህናትን ተመሃሮ ሃይማኖትን ኣብ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ፡ “ሰይጣን ካብኡ (ካብ ምስሊ ግብረ-ጽዩፍ) እዩ ዝኣትወካ” ኢሎም።

ማሕበራዊ ሚድያን ዲጂታላዊ ዓለምን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ዝበሉ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ እንተኾነ ካህናትን ፈለስትን ብዙሕ ግዘ ኣብኡ ከየባኽኑ ምዒዶምዎም።

“እቲ ንጹህ ልቢ፡ እቲ ክርስቶስ መዓልታዊ ዝቕበል ልቢ፡ ነዚ ናይ ግብረ-ጽዩፍ ሓበሬታ ክቕበል ኣይኽእልን” ኢሎም።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ “ካብ ሞባይልኩም ኣጥፍእዎ፡ ስለዚ ኣብ ኢድኩም መሰሓሓቲ ነገር ኣይክህልወኩምን” ክብሉ ነቲ ጕጅለ ምዒዶም።

ቤተ-ክርስትያን፡ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ ኣንጻር ቅድስና ዝፍፀም ሓጥያት ከም ዝዀነ እያ ተስተምህር።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንደናግል ከም ዝእምፅወንን ባሮት ጾታዊ ርክብ ከም ዝገብርወንን ብወግዒ ተኣሚኖም ነይሮም።